ምምሕዳር ተሰነይ፣ ኣብ መናድቕ ቤቱ ጽሑፍ ዝተረኽቦ ወናኒ ክቕጻዕ ምዃኑ የጠንቅቕ

Radio Erena: 16 May 2019

ኣብ ተሰነይ፣ ኣብ መናድቕ ቤቱ፣ ጽሑፍ ዝተረኽቦ ወናኒ ክሳብ 5 ሽሕ ናቕፋ ክቕጻዕ ምዃኑ ምምሕዳር ናይቲ ንኡስ ዞባ ከምዘጠንቐቐ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ምምሕዳር ነዚ መጠንቐቕታ ዘመሓላልፍ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ኤርትራ ሓያል ጽልዋ ፈጢሩ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ፣ ኣብ መናድቅ ናይታ ከተማ ተመሳሰልቲ ጽሑፋት ተሓንጢጦም ይርኣዩ ብምህላዎም’ዩ።

እዚ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኤርትራ፣ ጽልዋ ኣሕዲሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ጽልዋ ኣሕዲሩ ዘሎ፣ ንለውጢ ዝደፍእ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቓስ፣ ንምዕባጡ ኣባላት ስለያኡን ሓይልታት ጸጥታኡን ብብዝሒ ኣዋፊሩ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0