ምምሕያሽ ከርኢ ጀሚሩ ዝነበረ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ እንደገና ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ

ንነዊሕ ሰዓታት ዘቋርጽ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ ምምሕያሽ ከርኢ ጀሚሩ እኳ እንተነበረ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ናብቲ ዝነበሮ ናይ ነዊሕ ሰዓታት ምጹራጽ ተመሊሱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

 

እቲ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ መላእ ሃገር ዘልመሰ፣ ንነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲቲ፣ ዝኾነ ምኽንያት ከይተዋህቦ ብኸምኡ ክቕጽል ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ዝሓለፈ ወርሒ ቁርብ ምምሕያስ ከርኢ ጀሚሩ ኔሩ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ይምለስ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ሕጂ’ውን ዝኾነ መብርሂ ኣያሀብሉን።

ብሰንኪ እዚ ንነዊሕ ሰዓታት ዘቛርጽ ዘሎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪሲ፣ ጎኑ ጎኑ’ውን ኣገልግሎታት ቴሌፎን፣ መጣሓን እኽል፣ ባኒ ዘፍርያ ፎርኖታትን ካልእ ኣገደስቲ ጉዳያትን ይሰናኸል ብምህላዉ፣ መረረ ህዝቢ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ይርከብ።

እቲ ሆስፒታላት ክፍልታት መወልዳን፣ መጥባሕትን ህጹጽ ረዲኤትን ከይተረፈ ብኸቢድ ጸልዩ ዝነበረ ንነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ኤሌክትሪሲቲ፣ ሕጂ’ውን እንደገና ምምላሱ ተመሳሳሊ ሳዕቤን ከርኢ ጀሚሩ ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0