ምልሻ ጃንጃዊድ ናይ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጎነጻዊ ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ

Radio Erena: 28 June 2019

ምልሻ ጃንጃዊድ ኣብ መላእ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ንምቑጻይ ጎነጻዊ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ጉጅለ ምልሻ ካብ ሰኑይ 24 ሰነ ኣትሒዙ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፣ ንሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላትን መራሕቲ ናዕበኛታት ንዝበሎም ሰብ ሞያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሰሜን ዳርፉር፣ ከሰላ፣ ገዳርፍ፣ ኣትባራን ካርቱምን ዝቕጽል ዘሎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት፣ ምልሻ ጃንጃዊድ ብወተሃደራዊ ቆንስል ተኣዚዙ ድዩ ወይስ በይናዊ ስጉምቲ ብምውሳድ’ዩ ዘካዪዶ ዘሎ ክሳብ ሕጂ ኣይተነጸረን።

እንተኾነ ምሕዝነት ንናጽነትን ለውጥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን ንምቛም ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንድሕሪት ዝጎስስ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ምልሻ ጃንጃዊድ ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ኤለክትሪክ ንዝኾኑ ዓሰርተ ሓደ ኢንጅኔራት እውን ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ። እቶም መራሕቲ ኣድማ ዝበሎም ኢንጅኔራት፣ ሓደ ካብቶም ንህዝባዊ ናዕቢ ዝመርሑ ዘለዉ ትካላት፣ ማሕበር ሰብ ሞያ ሱዳን ኣባላቱ ምዃኖም’ዩ ዝግለጽ።

ምልሻ ጃንጃዊድ፣ ስሙ ናብ ህጹጽ ረዲኤት ሰራዊት ሱዳን ብምቕያር፣ ኣብ እዋን መሪሕነት ኣልበሽር፣ ዶባት ክሕሉ ብሓድሽ መልክዕ ድሕሪ ምቛሙ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከተማታት ሱዳን ብምእታው ካልኣይ ፍሉይ ሰራዊት’ታ ሃገር ኮይኑ ይርከብ። እቲ ምልሻ ኣብ ዶባት ሱዳንን ሊብያን ኣብ ሓለዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓያሎ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ዘይተኣደነ ግፍዕታት ኣውሪዱ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0