ማይ በላ፣ ነበርቲ ዓዲ ሰጕዶ ዝኾኑ ኣልማዕቲ ጀራዲን፣ ጀነሬተራቶም ተሃጊሩ

ማይ በላ፣ ነበርቲ ዓዲ ሰጕዶ ዝኾኑ ኣልማዕቲ ጀራዲን፣ ጀነሬተራቶም ተሃጊሩ

Radio Erena: 01 March 2019

ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ ማይ በላ፣ ጀራዲን ከልምዑ ዝጸንሑ ሓረስቶት ዓዲ ሰጕዶ፣ ጀነሬተራቶም ተሃጊሩ።

እዞም ብሞተር እናተሓገዙ፣ ጀራዲን ከልምዑ ዝጸንሑ ሓርስቶት፣ ንእንስሳ እንተዘይኮይኑ ንሰብ ዝኸውን ፍርያት ከየቕርቡ፣ ኣቐዲሙ ንዝተዋህቦም መምርሒ ጥሒሶም ብዝብል ጉዳይ ጀነሬተራቶም ከምዝተሃገረ’ዩ ዝጠቅስ ዝበጽሓና ሓበሬታ።

እዚ ብሓላፊ ናይቲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ዝርከብ ቤት ማአርቲ ከምዝተወስደ ዝግለጽ ዘሎ፣ ምህጋር ብውሕዱ ኣርባዕተ ዝኾና ዓብይቲ ጀነሬተራት፣ ኣብ ኣልማዕቲ ጀራዲን ዓዲ ሰጕዶ ከቢድ ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ፣ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ኣረጋጊጾም።

ስእሊ፣ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0