ማሕበር ሃገራት ዓረብን ሕብረት ኤውሮጳን ሓባራዊ ዋዕላ ኣካይዶም

ማሕበር ሃገራት ዓረብን ሕብረት ኤውሮጳን ሓባራዊ ዋዕላ ኣካይዶም

Radio Erena: 26 February 2019

Arab EU

እዚ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ዝኾነ፣ ብ24 ለካቲት፣ ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ሻርም ሸክ ዝተኻየደ ዋዕላ ብኣውርኡ ንግድን ወፍርን ዘተኮረ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ዋዕላ፣ ንምስፍሕፋሕ ቻይናን ሩስያን ናብዘን ሃገራት ንምግታእ ዘንቀደ ምዃኑ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

ቻይናን ሩስያን፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓረብን ምብራቕ ኣፍሪቃን ሰፋሕቲ ናይ ወፍርን ንግድን መደባት የካይዳ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ መራሕቲ ሃገራትን ወከልትን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ሕብረት ኤውሮጳን ተሳቲፎም።

ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ሕብረት ኤውሮጳን፣ ኣቐዲሙ ኣብ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ፍሉይ ዘተ ንምክያድ መደባት ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0