ማላዊ፣ ሬሳ ኢትዮጵያውያን ዝሓዘ ምዃኑ ዝጥርጠር ተወሳኺ ጋህሲ ተረኺቡ

Radio Erena: 24 October 2022

ኣብ ማላዊ፣ ድሕሪ’ቲ ብውሕዱ ናይ 25 ኢትዮጵያውያን ሬሳ ዝሓዘ ጋህሲ ምርካቡ፣ ኣብታ ሃገር መርመራ ፖሊስ ይካየድ ከምዘሎ መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ሴሜናዊ ዞባ ምዚምባ፣ ምታንጋታንጋ ኣብ ዝተባህለ ጫካ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ነቲ ጋህሲ ከምዝረኸቦ ዝሓበረ ፖሊስ ማላዊ፣ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ተወሳኺ መርመራን ተፍትሽን፣ ብ20 ጥቅምቲ’ውን ናይ ኣርባዕተ ሰባት ሬሳ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ጫካ፣ ሬሳን ጋህሲን ናይ ምድላይ ስርሒት ክቕጽል ምዃኑ ሚኒስተር ዘቤታዊ ጉዳያት ማላዊ፣ ዣን ሰንደዛ ገሊጻ።

ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ሬሳታት፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 25 ክሳብ 40 ናይ ዝርከቡ ደቂተባዕትዮ ምዃኑ ዘመልከተ ጸብጻብ ፖሊስ፣ ርእሰ ከተማ ማላዊ ናብ ዝኾነት ሊሎንግዌ ንምእታው ዝሳግሙ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም’ዩ ኣፈናዊ ሓበሬታ ኣኪቡ ከምዘሎ ይጠቅስ።

ምስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ሞት እቶም ኢትዮጵያውያንን ብዝተኣሳሰር 10ታት ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ፖሊስ ማላዊ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ 186 ኢትዮጵያውያን ከምዝሓዘ ኣብ ጸብጻቡ የመልክት።

ዓመታዊ ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፣- ኬንያ፣ ታንዛንያ፣ ማላዊ፣ ሞዛምቢክ፣ ዛምብያ፣ ዚምባብዌን ቦትስዋናን እናቖራረጹ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝስደዱ ‘ዩ ዝግለጽ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0