ማሊ፣ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክገድፍ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕቢ ተጎሃሂሩ

Radio Erena: 15 July 2020

ኣብ ማሊ፣ ፕረዚደንት እታ ሃገር ስልጣኑ ክገድፍ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህይወት ዓሰርተታት ዜጋታት’ታ ሃገር ምውሳዱ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ በብቁሩብ ፈኸም ክብል ጸኒሑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንርእሰ ከተማ’ታ ሃገር ዘናወጸ ናዕቢ፣ ሰልፈኛታት፣ ብመንግስቲ ናብ እትውነን መደበር ቴሌቪዥን ብምእታው ንዝፈጠሩዎ ረብሻ ንምዕጋስ እዮም ሓይልታት ጸጥታ ተበጊሶም።

እንተኾነ ምስ ሰልፈኛታት ኣብ ግጭት ብምእታዎም፣ ናይ ሓቂ ጠያይትን ዘንብዕ ጋዝን ክጥቀሙ ምስ ጀመሩ፣ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ፍጹም ናዕቢ ዓሪጉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ዝርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት፣ ነዚ መንግስቲ ማሊ ዝወሰዶ ጎነጻዊ ስጉምቲ ተቓዊሞሞ ኣለዉ።

ካብ 2013 ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቡባከር ከይታ፣ ሰልፈኛታት ንምዕጋስ ብምባል፣ ቀዪዱዎም ዝጸንሐ ልዕሊ 20 ኣባላት ተቓወምቲ ሓይልታት ናጻ ፈንዩዎም ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ ብውሑዱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝሕብሩ ኣመሓደርቲ ሆስፒታላት ከተማ ባማኮ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ኩነታት ብተዛማዲ ረጊኡ ይርከብ።

እንተኾነ፣ ምቅይያር ሚኒስተራት ክጠልብ ዝጸንሐ ህዝቢ ማሊ፣ እቲ ፕረዚደንት ስልጣኑ ክገድፍ ናብ ምጽዋዕ ስለዝተሰጋገረ፣ መጻኢ ዕድል’ዛ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ከምዘሎ ይግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0