ማሊ፣ ምሉእ ብምሉእ ብሲቪል ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ክሳብ ዝምስረት እገዳ ክቕጽል ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ

Radio Erena: 01 October 2020

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ካብ 15 ሃገራት ኤኮዋስ እገዳ ተነቢሩላ ዘሎ ማሊ፣ ክልዓል እንተኾይኑ፣ ምሉእ ብምሉእ ብሲቪል ዝቖመ መሰጋገሪመንግስቲ ክምስረት ከምዘለዎ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ንሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ኤኮዋስ ወኪሉ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ማሊ ዝዘተየ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ጉድላክ ዮናታን እገዳ ንኽልዓል ዘዕግብ ስጉምቲ ከምዘየለ ድሕሪ ምጥቃሱ’ዩ።

ዕልዋ ዘካየደ ሰራዊት እታ ሃገር፣ ጥሮታ ንዝወጸ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ኮለነል ባህ ንዳው ፕረዚደንት ክኸውን ድሕሪ ምምራጹ፣ እቲ ፕረዚደንት ድማ ካብ ሲቪላዊ ወገን፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ንዝነበረ ሞክታር ኦዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ረቑሕዎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ሲቪል ዝቖመ ካቢነ ሚኒስተራት ክምስርተ መደብ እኳ እንተሎ፣ ምልዓል እገዳ ግና ኣብ ጠልጠል’ዩ ዘሎ።

ጠንቂ ናይዚ ድማ፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ዝመርሐ ኮለነል ኣሲሚ ጎይታ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ክቅጽል ብምውሳኑ’ዩ።

ኣብ ማሊ፣ ብ18 ነሓሰ ኣብዝ ዝተኻየደ ውትሃደራዊ ዕልዋ፣ ብምርጫ ናብ ስልጣን ንዝመጸ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቡባከር ከይታ ምእላዩ ህዝቢ ሓጎሱ እኳ እንተገለጸ፣ 15 ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዝሓቖፈ ዞባዊ ውድብ ኤኮዋስ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃን ብኣህጉራውያን ውድባትን ግና ተቐባልነት ኣይረኸበን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0