ሚ/ ጉዳያት ወጻኢ ቻድ ሙሳ ፋኪ መሓመድ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ

Radio Erena: 31 January 2017

Chad

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻድ ሙሳ ፋኪ መሓመድ፣ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ተመሪጹ።

መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ብ30 ጥሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጋብእሉ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ካብ ዝቐረቡ ሓሙሽተ ሕጹያት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻድ ሙሳ ፋኪ መሓመድ ብዓብላሊ ድምጺ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ሓያል ክትዓትን ዘተን ዝተኻየደሉ ምርጫ ንላዕለዋይ ሓላፍነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ዶክተር ኣሚና መሓመድ ንኽትዕወት ዝልዓለ ግምት ተዋሂቡዋ እኳ እንተነበረ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ተጋባእቲ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻድ ሙሳ ፋኪ መሓመድ መሪጾም።

ሙሳ ፋኪ መሓመድ፣ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ድሕሪ ምዕዋቱ፣ ንሓድነትን ርእሰ ምኽኣለን ሕብረት ኣፍሪቃ ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኣብዚ ካብ 22 ጥሪ ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝጸንሐ መበል 28 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ናይ 52 ሃገራት ኣፍሪቃ መራሕትን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢን ብኣካል ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኤርትራ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝርከብ ቀዋሚ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ተወኪላ።

ካብ ዞባውን ኣህጉራውያን ጉዳያት ተነጺላ እትርከብ ኤርትራ፣ መራሕትን ሚኒስተራትን ናይ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተሳተፍዎ፣ ኣብ ማሊ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ፈረንሳን’ውን፣ ብደረጃ ኣምባሳደር ጥራይ’ያ ተሳቲፋ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0