ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 02 January 2020

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዋንግ ዪ ዝምርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ’ዩ።

ልኡኽ መንግስቲ ቻይና፣ ካብ 7 ክሳብ 13 ጥሪ፣ ዑደት ከካይደለን ሰሪዑ ዘሎ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣- ግብጺ፣ ጂቡቲ፣ ኤርትራ፣ ብሩንዲን ዚምባብዌን’የን።

ሚኒስተር ዋንግ፣ ኣብዘን ሃገራት ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ ኣብ ልምዓታዊን ካልእን ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ብምትኳር ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ክዘራረብ ምዃኑ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ገንግ ሹዋንግ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣፈኛ ብተወሳኺ፣ ሃገሩ፣ ካብ 1991 ኣትሒዛ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዓመት፣ ተመሳሳሊ ዑደት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምእትሰርዕ ብምዝኽኻር፣ እዚ ድማ ምስ ኣፍሪቃ ክህልዋ እትደልሊ ጥቡቕ ምትእስሳር ዘጉልሕ’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ቻይና ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ንምክያድ መደብ ሰሪዑ ዘሎ፣ መበል 20 ዓመት ምምስራት ምትሕግጋዝ ቻይናን ኣፍሪቃን ኣብ ዝጽንበለሉ ዘሎ ኣጋጣሚ’ዩ።

ቻይና፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዕደናን ህንጻን ዘተኮረ ናይ ቢልዮናት ዶላር ፕሮጀክታት ሰሪዓ ከምዘላ ይፍለጥ።

እንተኾነ እታ ሃገር እተካይዶ ዘላ መደባት፣ ንኣፍሪቃ ናብ ከቢድ ዕዳ ዝሸምም ምዃኑ ዝወቕሱ ወገናት ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን እተካይዶ ዘላ ምህናጽ መንገዲ ባቡርን ምስራሕ ጽርግያታትን ዝርከቦ ፕሮጀክታት ንኣብነት ነዘን ሃገራት ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ኣሸኪማተን ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0