ሚኒስተር ፋይናንስ ነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ንሕሉፍን ህሉውን ኩነታት ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ ንምዝርጋሕ ይሰርሕ ምህላዉ ተገሊጹ

ሚኒስተር ፋይናንስ ነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ንሕሉፍን ህሉውን ኩነታት ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ ንምዝርጋሕ ይሰርሕ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 24 October, 2014

Berhane Abrehe

ንልዕሊ 10 ዓመታት ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ንሕሉፍን ህሉውን ኩነታት ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ ንምዝርጋሕ ይሰርሕ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ሚኒስተር ነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ፣ ኣብ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራን ካልእ ኣጋጣሚታትን ኣታዊታት ዕደና ብሚኒስትሪ ፋይናን ክንቀሳቐስ ኣብ ርእሲ ምሕታቱ፣ ዓቕምታት ህዝብና ንከንቱ ይጠፍእ ከይህሉ ኣካይዳና ንገምግም ቅዋማዊ ኣካይዳ ከኣ ንከተል ክብል ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝቐንዐ ሕቶታት ምቕራቡ’ውን ብሰነደ ተታሒዙ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፣ ካብ ዝነበሮ መዝነት ሚኒስተር ፋይናንስ ድሕሪ ምድስካሉ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ ክሕከም ንዘቕረቦ ጠለብ ከምዝተነጽገ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ነታ ንሕሉፍን ህሉውን ኩነታት ኤርትራ እትገልጽ መጽሓፍ፣ ንምሕታም ይንቐሳቐስ ብምህላዉ ጽኑዕ ክትትል ይካየድ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ መጀመርያ 1970ታት ካብ ኣመሪካ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸንበረ ኮይኑ፣ ካብ 2001 ኣትሒዙ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ዘገልገል’ዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ ብሰንኪ ዘቕረቦ ሕቶታት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምድስካሉ’ውን ጠቕላሊ ኦዲተር ነበረ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም ንቦትኡ ተኪእዎ ምህላዉ ይፍለጥ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0