ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጋቦን፣ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ብዘጋጠሞ ወቕዒ ልቢ ሞይቱ

Radio Erena: 26 January 2023

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጋቦን፣ ሚኪኤል ሙሳ ኣዳሞ፣ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት ብዘጋጠሞ ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ገሊጻ።

እቲ 62 ዓመት ዝዕድምኡ ሚኒስተር፣ ኣብ ብ20 ጥሪ ዝተኸፍተ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራት፣ ኣብ መንበር ኮፍ ድሕሪ ምባሉ፣ ከምዝወደቐን፣ ህለዋቱ ኣጥፊኡ ናብ ሆስፒታል ምስ ተወስደ ከምዝሞተን እቲ መግለጺ ናይታ ቴሌቪዥን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ኣዳሞ፣ ናይ ቀረባ ዓርኪ ናይቲ ድሕሪ ሞት ኣቡኡ፣ ኣብ 2009 ስልጣን ተረኪቡ ንጋቦን ዝመርሕ ዘሎ ፕረዚደንት፣ ዓሊ ቦንጎ ‘ዩ ኔሩ።

ዓሊ ቦንጎ፣ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፣ ሚኒስተር ኣዳሞ፣ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፣ ብወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ እትርከበን ሃገራትን ኣህጉራውያን ጋንታታን ዝቐዳደማሉ ዙር ላ ትሮፒካል ኣሚሳ ቦንጎ ተአንግድ ዘላ ጋቦን፣ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ሓዘን መዓልታት ኣዊጃ ትርከብ።

ድሕሪ ናጽነታ ካብ ፈረንሳ፣ ካብ 1967 ኣትሒዙ፣ ን42 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሐ ዑመር ቦንጎ ኣብ 2009 ምስ ሞተ፣ ስልጣኑ ወዱ’ዩ ተረኪብዎ።

ጋቦን፣ ንፍርቂ ዘመን፣ ወይ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣቦን ወድን ተቐባቢሎም ዝመርሑዋ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር’ያ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0