ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያን ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ የምርሑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያን ግብጺ ናብ ኢትዮጵያ የምርሑ

Radio Erena: 27 August 2018

Abbas and Sameh

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክርን ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ዓባስ ከማልን ዝመርሕዎ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ንምዝርራብ ሎሚ ሰኑይ 27 ነሓሰ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸን።

እቲ ልኡኽ፣ ካብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝተላእከ ደምዳቤ ከብጽሕ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ከምቲ ዝድለ ክስጉም ከምዘይክኣለ ዝግለጽ ዘሎ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም፣ ሓድሽ መንግስቲ እታ ሃገር ብኸመይ ከምዝሕዞን ቀጻልነቱ ኣብቲ ዝጸንሐ ስምምዓት ናይልን ብዝምልከት ክዘራረቡ’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት፣ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ቅትለት ዋና ማሃንድስን ኣካያዲ ስራሕን ናይቲ ፕሮጀክት ኢንጅነር ስመኘው፣ ምህናጽ ዲጋ ሚለንዮም ተሰናኺሉ ከምዘሎ’ዩ ዝግልጽ።

ምድንጓያት ገጢምዎ ዘሎ፣ 6 ሽሕ ሜጋዋት ሓይሊ ኤለኢክትሪሲቲ ከመንጩ ተባሂሉ ብናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ምህናጽ ዝጀመረ ዲጋ ሚለንዮም፣ ጌጋታትን ከምዘለዎ’ዩ ሓድሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጠቕስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፣ እብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘካየዶ ናይ ግብጺ ዑደት ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ፣ ኢትዮጵያ ንረብሓታት ግብጺ ከምዘይትጎድእ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0