ሚኒስተር ዜና ሊባኖስ፣ ንምትእትታው ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ብምንቃፉ፣ ኣርባዕተ ሃገራት ወሽመጥ ምስ ሊባኖስ ዝነበረን ዝምድና ኣዛሕቲለን

Radio Erena: 02 November 2021

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌትን ባሕሬይንን ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣምባሳደራተን ብምስሓብ ዝጸንሐን ዲፕሎማስያዊ ከምዘዛሕተላ ገሊጸን።

እዘን ሃገራት ናብዚ ስጉምቲ ዘምርሓ፣ ሚኒስተር ዜና ሊባኖስ፣ ጂዮርጅ ኮርዳሂ ምስ መደበር ቴሌቪዥን ሃገሩ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ንወትሃደራዊ ምትእትታው ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ድሕሪ ምንቃፉ’ዩ።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓስ ተቐዲሑ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈነወ ቃለ መጠይቕ ናይቲ ሚኒስተር፣ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ቁጠዐ ስለዝፈጠረ፣ መንግስቲ ሊባኖስ ነቲ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክትኣልዩ ናይ 48 ሰዓታት ዕድል ሂባታ ጸኒሓ።

መንግስቲ ሊባኖስ ነቲ ብስዒዲ ዓረብ ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ ዕሽሽ ስለዝበሎ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣምባሳደሩ ካብ ሊባኖስ ብምስሓብ ኣብ ሪያድ ንዝነበረ እምባሳደር ሊባኖስ ድማ ሰጕግዎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ሊባኖስ ዝሽመት ዝኾነ ነገር ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይኣቱ፣ እቲ ንግስነት ኣጊዱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኩዌትን ባሕረይንን ድማ ንስዑዲ ዓረብ ብምድግጋፍ፣ ምስ ሊባኖስ ዝነበረን ዝምድና ከዛሕትላ ከምዝወሰና ኣፍሊጠን።

ሚኒስተር ኮራሂ ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ንወትሃደራዊ ምትእትታው ስዑዲ ኣብ ርእሲ ምንቃፍ፣ ዕጡቃት ሑቲ ንዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ካብ ተጻባእቲ ዝካየድ ርእሰ ምክልኻል’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ንሱ ብተወስኺ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ መጥቃዕታት፣ ውራያት መርዓ፣ ኣብ ሓዘን ዝተኣከበ ህዝቢ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ግዳያት ይገብር ኣሎ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ የመን ንሸውዓተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት ትርጉም ኣልቦን፣ ኣብ ልዕሊ’ታ ድኻ ሃገር ድማ ተወሳኺ ዕንወት ዘውርድን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ ስለዘይብሉ፣ ኵናት ደው ክብል እቲ ሊባኖሳዊ ሚኒስተር ጸዊዑ።

ብቃለ መጠይቕ እቲ ሚኒስተር ዝተቖጥዓ ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን፣ እቲ ሚኒስተር ምስ ኢራንን ብኢራን ዝድገፍ ሖዝቡላ ናይ ሊባኖስን ብምትእስሳር ይገልጽኦ ኣለዋ።

እዘን ሃገራት ወሽመጥ፣ ወትሃደራዊ ሚዛን የመን ተቖጻጺሩ ንዘሎ ሑቲ’ውን ብኢራን ከምዝድገፍ’የን ዝወቕሳ።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0