ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፣ ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ብዝተሓሓስ ክሲ ቀሪቡሉ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ፣ ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ብዝተሓሓስ ክሲ ቀሪቡሉ

Radio Erena: 03 February 2019

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣሊያ፣ ነቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሃገሩ ከይኣትዉ ኣብ ባሕሪ እንከለዉ ብምኽልካሉ ክሲ ቀሪቡሉ።

ማተዮ ሳልቪኒ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዉም 117 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ኢጣልያ ምስ በጽሑ፣ ካብታ መርከብ ከይወርዱ ብምኽልካሉ ንሽዱሽተ መዓልቲ ጅሆ ተታሒዞም’ዮም።

ሳልቪኒ እዚ ኣብ ኣግሪጀንቶ ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ እንተቐጺሉ፣ ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ ከምዝኽእል ይግለጽ። 

እቲ ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ መርገጺ ዘለዎ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ንጋዜጣ ኮሪየረ ደ ላ ሲየራ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ ‘ከም ሚኒስተር ብህዝቢ ዝተዋህበኒ ሓላፍነት እየ ፈጺመ። ብሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ዝዓግተኒ የለን’ ክብል ድሕሪ ምግላጹ፣ ናይ ዲፕሎማሰኛ ውሕስነት ከምዝሓትት ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሕጊ ኢጣልያ፣ ሚኒስተራት መንግስቲ፣ ኣብ ስልጣን እንከለዉ ንዝፍጽሙዎ ገበን፣ ውሕስነት ክወሃቦም ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎም።

ቤት ፍርዲ ሲሲሊ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ቀሪቡ ዘሎ ክሲ ክቕጽል ምዃኑ ዲፕሎማስያዊያን ምንጭታት ይገልጹ’ኳ እንተለዉ፣ ሳልቪኒ ኣንጻር ስደተኛታት ዝወስዶ ስጉምቲ ክቕጽሎ ምዃኑ ንሰዓብቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0