ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባና ዘትዮም

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባና ዘትዮም

Radio Erena: 06 August 2018

Eritrea Saudi FM

ሚኒስተር ጉዳያት ወጽኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ዓድል ኣል ጁቤርን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትዮም።

ማዕከን ዜና ኣራብ ኒውስ ከምዝሓበሮ፣ ክልቲኦም ሰበ ስልጣናት፣ ብሰንበት 5 ነሓሰ ኣብ ከተማ ጀዳ ብምርኻብ’ዮም ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ተዘራሪቦም።

ኤርትራ፣ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጽን ባሕሬን ዝቖመ ናይ ኣርባዕቲኤን ሓባራዊ ሓይሊ ኣንጻር ሽበራ ( Anti-Terror Quartet – ATQ ) ከምእትድግፍን ምርግጋጻ እቲ ናይ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኤርትራ ምስተን ሽበራ ይምውላ’የን እትብለን ዘላ ሃገራት ቀጠርን ኢራንን ዝነበራ ዝምድና ብምዝሕታል ምስ ናይ ኣርባዕቲኤን ሓባራዊ ሓይሊ ኣንጻር ሽበራ ደው ክትብል ወሲና።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0