ሚኒስተራት ምክልኻል ሱዳን፣ ቀጠርን ቱርኪን ኣብ ካርቱም ይዝትዩ

Radio Erena: 12 January 2017

Qatar Sud Tur

ሚኒስተራት ምክልኻል ሱዳን፣ ቀጠርን ቱርኪን ኣብ ካርቱም ሓባራዊ ዘተ ከምዘካየዱ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዶሉ ሓቢሩ።

እቶም ሚኒስተራት ካብ 8 ክሳብ 10 ጥሪ ኣብ ካርቱም፣ ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዞባዊ ኣህጉራዊን ወትሃደራዊን ኩነታት ብምግምጋም ዘካየድዎ ምይይጥ፣ ኣብ መንጎ ሰለስተ ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ’ውን ዘትዮም።

ንሳቶም ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተመረቐ ወትሃደራዊ ልብሲ ዘፍሪ ሓድሽ ፋብሪካ ተዓዚቦም።

ኣብ ምምራቕ እቲ ብሓገዝ ቀጠርን ቱርኪን ዝተኻፍተ ፋብሪካ፣ ፕረዚደንት ሱዳንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን’ውን ተረኾቦም ኔሮም።

እቲ መዓልታዊ 2 ሽሕ ወትሃደራዊ ልብሲ ከፍሪ ምዃኑ ዝተሓበረ  ፋብሪካ፣ ናብ ሱዳን ጥራይ ዝቐንዐ ዘይኮነ ናብ ቻድ፣ ኬንያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ዝቐንዐ ምዃኑ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ጀነራል ኣሕመድ ኣል ሻሚ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሩ።

ሱዳንን ቱርኪን፣ ኣብ 2015 ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0