መ. ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣፍሪቃ ዘይተጸምበረሉ ምኽንያት፣ መብርሂ ሂቡ

Radio Erena: 11 July 2019

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣፍሪቃ ዘይተጸምበረሉ ምኽንያት፣ መግለጺ ሂቡ።
መንግስቲ ኤርትራ ብኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከብ ወኪሉ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ዝቐውም ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብመትከል ከምዝሰማማዓሉ፣ እንተኾነ ግና ዝያዳ መብርሂ ከምዘድልዮ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኤርትራ ነዚ ንመላእ ኣፍሪቃ ዝሓቁፍ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ዘይፈረመት እንኮ ሃገር ሙዃና ከምዝርዳእ ድሕሪ ምግላጽ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረቡ ጸዊዑ።
እቲ ኣምባሳደር ከምዚ ምባሉ፣ ዝኾነ ውሳኔ ካብ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብዘይምቕባሉ፣ ግዜ ንምዕዳግ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ዝበሉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት፣ መብርሂ ዝሓተታ ሃገራት ኣቐዲመን ኣፍሊጠን ምንባረን ኣመልኪቶም።
እዚ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ምዝዛም ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ብወኪል ኤርትራ ዝተዋህበ ምኽኒት፣ ካብቲ ሕብረት ዛጊት ምላሽ ኣይተዋህቦን ዘሎ።
ኣህጉራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣፍሪቃ፣ ባዶ ወይ ስማዊ ቀረጽ ኣቑሑ ከምኡ’ውን ካብን ናብን ኣባል ሃገራት ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታት ዝፈቅድ እዩ።
ንዜጋታቱ ብሓይሊ ብረት ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ናጻ ምንቅስቓስ ዜጋታቱ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃስ ይትረፍ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ናጽነት ምንቅስቓስ ዘይፈቅድ ብምዃኑ፣ ነዚ ስምምዕ’ዚ ክፍርመሉ ምጽባይ የዋህነት’ዩ ክብሉ እቶም ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ትንታነታቶም ይህቡሉ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0