መ. ኤርትራ፣ ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ናብ ማእቶት ከዋፍሮም’ዩ

ብምሕድራ ዓቕሚ ሰብ ባይታ ዘቢጡ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣቐዲሙ ብረት ንዝዕጠቖም ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ናብ ማእቶታዊ ንጥፈታት ከዋፍሮም መዲቡ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

    እቶም ብምምሕዳራት ተወዲቦም ናብ ዝተፈላለየ ዞባታት ክወርዱ ምዃኖም ዝተሓበሮም ዜጋታት፣ ኣብ ምህናጽ ዲጋን ከትርታትን፣ ኣብ ናይ ምህርቲ እዋናት ድማ ኣብ ጻህያይን ዓጺድን ንምውፋሮም ተወጢኑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

    ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም  ልዕሊ  ሚእቲ ዜጋታት ብምምሕዳርት ተመሪጾም ኣብ ዞባ ደቡብ ገርገራ ኣብ ዝርከብ ዲጋ ንምህናጽ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ሚኒስትሪታት’ውን ካብ ዘለዉወን ሰራሕተኛታት ብጉጅለ እናፈላለያ ኣባላተን ናብዚ ማእቶታዊ ንጥፈታት ክልእካ ምዃነን ይንገር።

    ሰራሕተኛታት ሚኒስተሪታት ናይ ብሕቲ ትካላትን ዝርከብዎም  ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታት ብረት ድሕሪ ምዕጣቖም፣ መባእታዊ ወትሃደራዊ ስልጠና ወሲዶም፣ ቀትርን ለይትን በብእብረ ኣብ ሓለዋ ዝተፈላለያ ትካላት ተዋፊሮም ከምዘለው በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0