መ.ኤርትራ፣ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፈትሖ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባላት ዝተፈላለያ ክፍልታት ጸዊዖም

Radio Erena: 19 August 2021

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ፣ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፈትሖ፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣባላት ዝተፈላለያ ክፍልታት ጸዊዖም።
እቶም ክኢላታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን፣ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝተወስደሉ ዕለት ጀሚሩ፣ ዝኾነ ክሲ ኣይቀረበሉን፣ ናብ ቤት ፍርዲ እውን ኣይቀረበን ድሕሪ ምባል፣ ምስ ጠበቓን ቤተሰብን ክዘራረብ’ውን ዕድል ከምዘይተዋህቦ ጠቒሶም።
ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ጉዳያት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ሜሪ ሎውለር፣ ካብ ጀኔቫ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ ‘’መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘርኣዮ ሸለልትነት ኣዝዩ ዘሰምብድ’ዩ’’ ኢላ።
መንግስቲ ኤርትራ ዝቐየዶም ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ካብ ዝቕየዱ 20 ዓመታት ኣቑጺሩ ክነሱ፣ ሃለዋቶም ብዘይፍለጥ መንገዲ ሒዝዎም ስለዝርከብ ቤተሰቦምን መቕርቦምን እውን እንተኾኑ፣ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዝፈልጥዎ ከምዘየለ ይፍለጥ።
እታ ራፖርተር ተጣበቕቲ መሰላት ኣብ መግለጺኣ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንጋዜጠኛ ዳዊት ይስሓቕ፣ እንተኾነ ብዘይቅድመ ኩነት ብቕልጡፍ ክፈትሖ፣ ካብኡ እንተሓሊፉ ከኣ፣ ብህይወትን ምስ ምሉእ ጥዕናኡን ከምዘሎ መርትዖ ከቕርብ ኣለዎ ኢላ።
ነዚ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ጻውዒት፣ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ፍሉይ ልኡኻት ወይ ራፖርተራትን ፊርማኦም ኣንቢሮምሉ ኣለዉ።
መንግስቲ ኤርትራ ፈጺሙዎም ዝበሃል ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ምስዋር ዜጋታት፣ መጭወይቲ፣ ንነዊሕ ዓመታት ብዘይክስን ፍርድን ምእሳር፣ ምርጋጽ ኩሉ ዓይነት መሰላት ዝኣመሰሉ ክስታት ብዝተፈላለዩ ትካላትን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለምን ክቐርበሉ’ኳ እንተጸንሐ፣ ንኩሉ ጸማም እዝኒ እዩ ሂቡዎ ጸኒሑ።

=============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0