መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ሃገሩ ክመሃሩ ንዝደልዩ ተማሃሮ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቪዛ ከምዘየድልዮም ኣፍሊጡ

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ሃገሩ ክመሃሩ ንዝደልዩ ተማሃሮ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቪዛ ከምዘየድልዮም ኣፍሊጡ

Radio Erena: 21 April 2015

KenMOE

መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብታ ሃገር ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ክቕጽሉ ንዝደልዩ ዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ቪዛ ይኹን ካልእ ናብታ ሃገር ንምእታው ዘድሊ ፍቓድ ኣልዒልዎ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወስድ ዘሎ፣ ተማሃሮ ዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርስታትን ኮሌጃትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረኽቡ ንምትብባዕ ምዃኑ ገሊጹ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ውሳኔ መንግስቲ ኬንያ ድማ፣ ካብ ዝኾነት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ዜጋ ንትምህርቲ ናብ ኬንያ ይኣቱ እንተሎ ቪዛ ኣይከድልዮን’ዩ።

 

ንተማሃሮ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ኬንያ ንምእታው ዘድሊ፣ ዩኒቨርስታት ወይ ድማ ኮሌጃት ኬንያ ከምዝተቐበልኦም ዘረጋጋግጽ ደብዳቤ ጥራይ ምዃኑ ሚኒስተር ትምህርቲ እታ ሃገር ጃኮብ ካይመኒ ኣረዲኡ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ኣብ ላዕለዋይ ኣብያተ ትምህርቲ ኬንያ ናይ ስራሕ ዕድል ዝረኽቡ መማህራን እዚ ዞባ ናብ ኬንያ ዘእቱ ቪዛ ይኹን ናይ ስራሕ ፍቓድ ከምዘየድልዮም ኣረጋጊጹ።

እዚ ሓድሽ ውሳኔ፣ ተማሃሮ ይኹኑ መማህራን ኣብ ኮሌጃታን ዩኒቨርሲታትን ኬንያ ዕድል ትምህርትን ስራሕን እንተረኺቦም፣ ሒዞሞ ብዘለዉ ናይ ሃገሮም ፓስፖርት ጥራይ ኣብ ኬንያ ክነብሩ ከምዝኽእል’ውን እቲ ሚኒስተር ኣብሪሁ።

ኬንያ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝመጹ ገያሾ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ዘፍቕድ ሕጊ እኳ እንተለዎ፣ ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ፍሉው ውሳኔ ብምሕላፍ፣ ዜጋታት ኤርትራ ናብ ኬንያ ክገሹ ምስ ዝደልዩ ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱ ከምዘለዎም ኣፍሊጣ’ያ።

እዚ ንተማሃሮ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝምልከት ሓድሽ ውሳኔ ንዜጋታት ኤርትራ ዘጠቓልል ምዃኑን ዘይምዃኑን መንግስቲ ኬንያ ኣየነጸረን።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0