መንግስቲ ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ ዝሓዞ ጸሊም ታሪኽ ይዕቅብ

Radio Erena: 21 April 2019

ብምዕፋን ናጽነት ፕረስ ካብ ሃገራት ዓለም ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ እትስራዕ ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ብዘይዝኾነ ምምሕያሽ ትቕጽል ከምዘላ ተገሊጹ።

ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ናይ 2019 ዘውጸኦ ዓመታዊ ጸብጻቡ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምዕፋን ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሓያል ቁጽጽር ኣብ ልዕሊ ሜድያን ጋዜጠኛታትን፣ ብዘይለውጢ ንዓመታት ከምኡ ኢሉ ይቕጽል ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ናይ 2019 ዓመታዊ ጸብጻቡ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ኣብ ቱርኪመንስታንን ሰሜን ኮርያን ዝተራእየ ምንቁልቋል ናጽነት ፕረስ ንኤርትራ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ካብ ድሕሪት ከምትስራዕ ጌሩዋ’ኳ እንተሎ፣ እዚ ግና ናጽነት ፕረስ ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ ኣርእዩ ማለት ከምዘይኮነ ይግለጽ።

ብናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ፕረስን ንሳልሳይ ዓመት ብተኸታታሊ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ኖርወይ ክትከውን እንከላ፣ ፊንላንድ፣ ሽወደንን ሆላንድን ተኸቲለናኣ ይርከባ።

ብሓፈሽኡ ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ሜድያን ዝወርድ ናይ ጽልኢን ምፍርራህን መጥቃዕታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገኒኑ ክረአ እንከሎ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መበል 48 ተሰሪዓ ዘላ፣ ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ እዋን ጀሚራ ሰለስተ ደረጃ ወሪዳ ከምዘላ ተገሊጹ።

ናጽነት ፕረስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ዓመት ናብ ዓመት የንቆልቁል እኳ እንተሎ፣ ዝሓለፈ ዓመት ተዛማዲ ለውጢ ኣርእዩ ከምዘሎ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ሓቢሩ። ብኣገላልጻ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብዚ ዝተገልጸ እዋን ኣብነታዊት ሃገር ኮይና ዘላ ኢትዮጵያ ክትከውን እንከላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኾነ ጋዜጠኛ ከምዘይተኣስረ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ሕጂ’ውን ገና ኣብ መበል 110 ተሰሪዓ ስለዘላ ሰፊሕ ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ይጽበያ ከምዘሎ ተገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ቀዪዱዎም ዘሎ ጋዜጠኛታት፣ ስድራቤቶም ይኹን ጠበቓ ንምርኣይ ከፍቅደሎምስ ይትረፍ፣ ሃለዋቶም ከፍልጥ ብኣህጉራውያን ትካላት ንዝቐረበሉ ሕቶ’ውን ምላሽ ኣይሃበሉን።

ምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ክፈጥር ትጽቢት ከምዝነበሮ ዝገልጽ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፣ ብኣንጻር ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራን መላእ ዓለምን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንናጽነት ፕረስን መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ብምርጋጽ ናጽነት ገዛእ ህዝቡ ገፊፉ ከምዘሎ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0