መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ቀይሕ 20 ኣባይቲ ኣፍሪሱ፣ ንምፍራስ እቲ ኣባይቲ ዝተቓወሙ ሓያሎ ነበርቲ እታ ከተማ ብጥይት ኣቝሲሉ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ቀይሕ 20 ኣባይቲ ኣፍሪሱ፣ ንምፍራስ እቲ ኣባይቲ ዝተቓወሙ ሓያሎ ነበርቲ እታ ከተማ ብጥይት ኣቝሲሉ

Radio Erena: 05 March 2015

adi keyh

መንግስቲ ኤርትራ ምፍራስ ኣባይቲ ብዝልዓለ መልክዑ ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ ግዜ፣ ሎሚ ሓሙስ 5 መጋቢት’ውን ኣብ ዓዲ ቀይሕ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣባይቲ ንምፍራስ ኣብ ዝተበገሰሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብትሪ ድሕሪ ምቅዋሞም፣ ኣባላት ሰራዊት ብዝኸፈትዎ ቶኵሲ ኣብ ሰብ ጉድኣት ከምዝወረደ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ፖሊስን ኣባላት ሰራዊት ዝተሰነያ ዶዞራት ብምውፋር ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን እንዳኣምነተኽለ 20 መንበሪ ኣባይቲ ከፍርስ እንከሎ፣ መንበሪ ኣባይቶም ዝፈረሶም ቆልዓ ሰበይቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ተሪር ተቓውሞ ኣንጻሮም ኣብ ዝተኸፍተ ቶኽሲ ክልተ ብጽኑዕ ክቖስሉ እንከለዉ፣ ሓደ ቆልዓ’ውን ከምዝተቐትለ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ምፍራስ ኣባይቶም ኣብ ልዕሊ ዝተቓወሙ ቆልዓ ሰበይቲ ብዝተኸፍተሎም ቶዅሲ ናይ ዝቖሰሉ ነበርቲ ዓዲ ቀይሕ ክሳብ 20 ከምዝበጽሕ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ሬድዮ ኤረና እቲ ልክዕ ቁጽሪ ከተረጋግጾ ኣይከኣለትን።

እቲ መንግስቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ ነበርቲ ዓዲ ቀይሕ ዘውረዶ ጉድኣት ነቶም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍራስ ዘዋፍሮም ዕጡቓት ካብቲ ከባቢ ከምዝርሕቁ ጌሩ እኳ እንተሎ፣ ኣብታ ከተማ ሕጂው’ም ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚውን ነቲ ኣብ ዓዲ ቀይሕ ዘጋጠመ ፍጻሜ ብናይ ሞባይል ካሜራ ይስእሉ ኔሮም ዝተባህሉ ክልተ ተማሃሮ፣ ሲቪል ብዝተኸድኑ ዕጡቓት ናብ ዘይተፈልጠ ከምዝተወስዱ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጺም።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ፣- ቅዱስ ጊዮርጊስ፣ ዴሺ ሚለን ካልእ ከባቢታትን ንምፍራስ ካብ ዝወጠኖ ልዕሊ 120 ገዛውቲ፣ ኣቐዲሙ ቀይሕ ምልክት ጌርሉ እኳ እንተሎ፣ በቲ ናይ ሎሚ ስርሒት 20 ገዛውቲ ጥርይ’ዩ ኣፍሪሱ ዘሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ መንበሪ ኣባይቲ ከፍርሶ ዝወሰነሉ ምኽንያት ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ዝበዝሐ እቲ ገዛውቲ ኣብ እስራኤል ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተሃንጸ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ከባቢታት ኣስመራን ዓዲ ቀይሕን ብድምር ልዕሊ 400 ገዛውቲ ፈሪሱ ኣሎ። ብሰንኩ ድማ ኣማኢት ስድራቤታት ብዘይዝኾነ መጽለሊ ይከላበቱ ኣለዉ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0