መንግስቲ ኤርትራ ቀይድዎም ዝጸንሐ ተወሰኽቲ 15 የመናውያን ለቒቑ

መንግስቲ ኤርትራ ቀይድዎም ዝጸንሐ ተወሰኽቲ 15 የመናውያን ለቒቑ

Radio Erena: May 23, 2014

Yemen Fish

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም ተወሰኽቲ 15 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝለቐቐ፣ ኤምባሲ የመን ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

ፈጸሚ ጉዳያት ኤምባሲ የመን መሓመድ ኣል ዓዛኒ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቲ ንኣገልግሎት ዜና የመን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቶም መንግስቲ ኤርትራ ዝለቐቖም 15 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ ብምርግጋጽ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ውን 26 ትወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ንኽልቐቑ ትጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፣ 154 የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ዝለቐቐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም ተሪፎም ዘለዉ ኣማኢት የመናውያን ገፍፍቲ ዓሳ ንኽለቕም ጻዕርታት ይቕጽል ከምዘሎ’ውን ኣልዓዛኒ ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

ፈጸሚ ጉዳያት ኤምባሲ የመን ኣብ ኤርትርሳ መሓመድ ኣልዓዛኒ ብተወሳኺ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብድምር 1673 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ከምዝተለቑ’ውን ጠቒሱ።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዘሎ ዘሰሓሕብ ጉዳይ ምትሓዝ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ነገር ኣይዝረበሉን’ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0