መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓለፈቲ ተቓወምቲ ዳርፉር ይዘራረብ ኣሎ ተባሂሉ

Radio Erena: December 13, 2013

 

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓለፍቲ ተቓወምቲ ዳርፉር ይዘራረቡ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ገሊጾም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ዕላምኡ፣ ነቶም ተቓወምቲ ዳርፉርን መንግስቲ ሱዳንን ናብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ሰላም ንምቕርራቦም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ 2006 ብመንጎኝነት መንገስቲ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተመ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ እዚ ናይ ዳርፉር’ውን ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎ’ዩ ክብሉ ጠቒሶም።

 

ኣብ ዘተ ሰላም ሱዳን ዘተኮረ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ዋዕላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ እኳ እንተሎ፣ ነቲ ልዕሊ 10 ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ግጭት ዳርፉር ናይ መወዳእታ ፍታሕ ከናድየሉ ግና ትጽቢት የለን።

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳንን ምንቕስቓስ ንምፍትሕን ማዕርነትን ዝተባህለ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሓይሊ ዳርፉርን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናትን መንጎኛታትን ይሳተፉ ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሰላም ሱዳን ብመንገዲ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝርከብ ወኪሉ ኣቢሉ’ውን ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣብ ናይ ሱዳን መስርሕ ሰላም በይናዊ ተበግሶ ወሲዱ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

መንግስቲ ሱዳን’ውን በንጻሩ፣ ንመንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ዘተ ንምቕርራቦም ይሰርሕ ምህላዉ ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0