መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ሶማል ንዝርከቡ ዕጡቓት ይድግፍ ኣሎ ክብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ወቒሱ

Radio Erena: December 11, 2013

መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ’ውን ንዕጡቓት ሶማል ምሕጋዝ ይቕጽሎ ኣሎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።

ማዕከን ዜና ሸበለ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማልያ ታሕታይ ሸበለ ንዝርከቡ ዕጡቓት ስልጠናን ሓገዝን ይህብ ኣሎ ክብል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ ወቒሱ።

እንተኾነ እቲ ብክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቀሪቡ ዘሎ ጸብጻብ፣ ብፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል ንዝርከቡ ዕጡቓት ብምድጋፉ ኣብ ታሕሳስ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ክልተ እዋን እገዳ ከምዝተነብረሉ ይፍለጥ።

እቲ መንግስቲ እቲ እገዳ ንኽለዓል ሓያሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት የካይድ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝነበሮ ምትእትታው ከምዘብቕዐ ዘረጋግጽ ጸብጻብ ብተቖጻጻሪ ጉጅለ ክሳብ ዘይቀረበ፣ ባይቶ ጸጥታ ነቲ እግዳ ከምዘየልዕሎ ይግለጽ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0