መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ብዘይፍቓድን ካብ ሕጊ ወጻእን ተሰሪሑ ንዝበሎ ኣባይቲ ኣፍሪሱ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ብዘይፍቓድን ካብ ሕጊ ወጻእን ተሰሪሑ ንዝበሎ ኣባይቲ ኣፍሪሱ

Radio Erena: 18 June, 2014

Asmara

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ምምሕዳር ጸጸራት ከባቢ ቤት መኻእ ብዘይፍቓድን ካብ ሕጊ ወጻእን ተሰሪሑ ንዝበሎ ሓይሎ ኣባይቲ ከምዘፍረሰ ካብ ኣስመራ ዝተላእከልና ጸብጻባት የመልክት።

ብመሰረት እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ፣ እቲ በብእዋኑ ካብ ሕጊ ወጻእን ብዘይፍቓድን ክስራሕ ዝጸንሐ ኣባይቲ፣ ነበርቲ ክእወጺ ክንገሮም እኳ እንተጸንሐ፣ ናብ ዝኸውድዎ ቦታ ስለዘይብሎም ንሓያሎ ዓመታት ክቕመጥዎ ዝጸንሑዎ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ብሰንኪ ዘሎ ከቢድ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ፣ ህዝቢ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ፣ ጸጸራት- ቤት መኻእ፣ ጎዳይፍ፣ ከባቢ ኣኽርያ -ገዛ ታኒካን፣ ኣባሻውል- ገዛ ብርሃኑ፣ ሓድሽ ገዛውቲ ፓራ-ዱባ፣ ሓዝሓዝ….ወዘተ ዝኣመሰለ ከባቢታት ንግዜኡ ዘጽልለሉ መዕቖቢታት እናሰርሐ ክሰፍሮ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ’ዩ።

 

መንግስቲ፣ ንዝህቢ ከቢድ ኣደራዕ ኮይንዎ ዘሎ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንዳይ፣ ህዝቢ ጨኒቕዎ ነንዝሰርሖም ግዝያዊ መዕቆቢታት ከፍርስ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ጥራይ’ዩ ብተደጋጋሚ እዋን ዘፈራርሕ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ብምኽንያት ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ዘለዉ ሓያሎ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅድሚ 10 ዓመታት ብቦንድ ኣብ ዝገዝእዎ መሬት- ገዛውቲ ተሰሪሑ ክውዳእ ምዃኑ ዝተኣትወሎም መብጽዓ ዛጊት ብዘይምትግባሩ የማርሩ ምህላዉ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪኡን ኣብ ዝነበረ ኩነታት፣ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝኣተውዎ ቦንድ ኣባይቲ ሰሪሑ ከረክቦም ምዃኑ ካብ ዝመባጻዕ 10 ዓመቱ ሓሊፉ ክነሱ፣ መብዛሕቱ ምሉእ ብምሉእ ክውዳእ ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

እዚ ከይተዛዘመን ከይተጻፈፈን ድማ፣ ከም እንደገና ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ደገፍቱ ብኤሮ ጥራይ ዝሽየጥ መንበሪ ገዛውቲ ሰሪሑ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከረክብ ምዃኑ ዘካይዶ ዘሎ ምውዕዋዕ እምነት ኣጥፊኡ ይርከብ።

ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ደገፍቱን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን መንግስቲ ኤርትራ፣ እንተስ ብገንዘቦም እንተስ ብስልጣኖም መንበሪ ገዛ ክስርሓሎምን ነቶም ዘይተሰርሓሎም ድማ ክስርሓሎም ምዃኑ መብጽዓታት ክእተወሎምን እንከሎ፣ እቲ ዝበዝሐ ብኽራይ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ግና ብሰንኪ ፋሉል ከይዱ ዘሎ ፖሊሲ መሬትን ክራይ ኣባይትን ኣብ ከቢድ ማሕበረ ቁተባዊ ቅልውላው ተሸሚሙ ይርከብ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0