መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝነበሩ ኣምባሳደራቱ ምቅይያር ክገብር’ዩ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝነበሩ ኣምባሳደራቱ ምቅይያር ክገብር’ዩ

Radio Erena: February 6, 2014

Girma Araya

ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣምባሳደር ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ከምዝተቐየረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ ኣቶ ኣርያኣ ደስታ ክትክኦ’ዩ።

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፣ ኤርትራ ክልተ እዋን እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተነብረላ እዋን፣ ከምቲ ዝድለ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ኣየካየደን ዝተባሂሉ’ዩ ብመንግስቲ ኤርትራ ክሕመ ጸኒሑ።

 

ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣምባሳደር ግርማ ኣስመሮም ድማ፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ንኽልዓል ጀሚርዎ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ንምዕዋት ክሰርሕ እምነት ተነቢርሉ’ዩ ናብ ኒው ዮርክ ዝግዕዝ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ምቅይያር ናይ ሓያሎ ኣምባሳደራት ንምትግባር ተጻፊፉ ከምዘሎ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እንተኾነ፣ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ፖሊስን ዲፕሎማስያዊ ኣጠማምታን መንግስቲ ኤርትራ ከይተቐየረ፣ ምቕይያር ናይ ኣምባሳደራት ጥራይ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ከምዘየለ ሬድዮ ኤረና ዝተከወሰቶም ዲፕሎማሰኛታት የመልክቱ።

ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎታት ኣጋጢምዎ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብዚ ተነጽሎ’ዚ ንምግልጋል ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ከካይድ ምዃኑ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ንኣምባሳደራት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ምግላጾም ኣይርሳዕን።

=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0