መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣባላት ደምህትን ካልኦት ተቓወምትን ይኣስር

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣባላት ደምህትን ካልኦት ተቓወምትን ይኣስር

Radio Erena: 15 September 2015

TP

ኣቦ መንበር ደምህት ልዕሊ 680 ዕጡቓት ኣባላቱ ጠርኒፉ ብመንገዲ ሱዳን ናብ ኢትዮያ ድሕሪ ምስጋሩ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝተረፉ ሓያሎ ኣባላት ደምህትን ካልኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን እብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ናይ ዝተረፈ ብዝሒ ኣባላት ደምህት ማዕረ’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ዘሎ’ዩ ዝበሉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ድማ፣ ደምህት ዳግመ ውደባ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ምስዚ ናይ ደምህት ፍጻሜ ብዝተኣሳሰር ኣብ ከባቢታት ጎልጅን ኦምሓጀርን ዝነበሩ ማእከልቶ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ መርመራ ይካየደሎም ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይጠቅሱ።

 

ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ ኣቶ ሞላ ኣስገዶም፣ ኢትዮጵያ ፈረስት ምስ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣብ ዘካየዶ ሓጺር ቃል ምልልስ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ምግምጋም፣ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርክብ ብምክያድ ናብታ ሃገር ዝምለሰሉ መንገዲ ክዘራረብ ምጽንሑ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ሱዳን፣ ነቶም ምስ ዕጥቖም ወደልሒሉ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ኣኪብዎም ዝጸንሐ ኣስታት 680 ኣባላት ደምህት ምስ ምሉእ ዕጥቖም ናብ ኢትዮጵያ ከሰጋግሮም ምኽኣሉን ብዘርኣዮ ካልእ ምትሕባርን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስጋንኡ ብመንገዲ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ገሊጹ።

ደምህት ድሕሪ’ዚ ናይ 11 መስከረም ፍጻሜ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣቦ መንበሩ ዝርክከቦም ኣማኢት ኣባልቱ ናብ ኢትዮጵያ ምስጋሮም ነቲ ዝሓንጸጾ መደባት ከምዘይዕንቕፎ ጠቒሱ።

ሓያሎ ተቓወምቲ ወገናት ኢትዮጵያን ካልኦትን ብዘቕርብዎ ዘለዉ ዝተፈላለየ ጸብጻባት፣ እዚ ናይ ኣቦ መንበር ደምህትን ኣባላቱን ስጉምቲ ነቲ ኣብ ሓርጎጽጎጽ ዝርከብ ምምስራት ስሙር ግንባር ተቓወምቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዘፍሸሎ ይገልጹ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0