መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕ ኣመሪካ ተማሕጺና

Radio Erena: 20 September 2021

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕ ቤት ጽሕፈት ተሓጋጋዚ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ተማሕጺኑ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ብምኽንያት ዝኽሪ ፍጻሜ ጸሊም ታሪኽ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ቅድሚ 20 ዓመታት፣ ብትብዓት ደሞክራስያዊ ጽገና ንዝጠለቡ 11 ፖለቲከኛታት ኤርትራ፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ኣሲሩ ከምዘሎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ብተመሳሳሊ፣ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ንኹሎም’ቶም ፖለትካዊ ጽገና ክህሉ ዝሓተቱ ኣባላት ህግደፍን ካልኦት ናይ ፖለቲከ እሱራትን፣ ብምኽንያት በዓል መስቀል ክፈትሕ ተላብዩ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0