መንግስቲ ኤርትራ፣ ናይ ኤውሮጳ ሕሳብ ዘቕምጠሉ ጋስፕሮም ባንክ ናይ ሩስያ ካብ እገዳ ድሒኑ

Radio: 09 March 2022

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስ ሸውዓተ ባንክታት ሩስያ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ምልኣኽን ምቕባልን ገንዘብ ደው ከምዘበለ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕብረት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝወሰዶ ስጉምቲ መሰረት፣ ብውሕዱ ምስ ሸውዓተ ባንክታት ሩስያ፣ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ምስግጋር መስርሕ ደው ከምዝብል እኳ እንተወሰነ፣ ምስ መሸጣ ነዳዲን ጋዝን ምትእስሳር ኣለወን ንዝበለን ባንክታት እታ ሃገር ግና ካብዚ እገዳ ‘ዚ ንሒፉወን ኣሎ።

ሓደ ካብዚ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ እገዳታት ዝደሓነ ባንክታት ሩስያ፣ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኤውሮጳ ሕሳባቱ ዘቕምጠሉ፣ ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ጋስፕሮም’ዩ።

ምስ ምግሃስ መሰል ዜጋታትን ዘይሕጋዊ ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲን ተተሓሒዙ፣ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ቁጠባዊ ጸቕጢ ክግብራ ድሕሪ ምጅማረን፣ እቲ መንግስቲ ብስም ባንኪ ኣባይቲ ኣብ ሩስያ ሕሳብ ብምኽፋት፣ ንጥፈታቱ ቀጺሉ።

ብፍላይ ‘ቶም ኣብ ኤርትራ ካብ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ክገዝኡ ብመንገዲ ኤምባሲታት ዝተመዝገቡ ሓድሽትን ጉዳዮም ኣብ መስርሕ ዝጸንሐን፣ ዝተረፎም ውህሉል ገንዘብ ብቀጥታ ናብቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ባንክ ጋዝፕሮም ከሰጋግርዎ’ዩ ክሕበሮም ጸኒሑ።

ባንክ ጋዝፕሮም ካብቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘንበረሉ እገዳ ምድሓኑ፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ወኪላት ህግደፍ ይኹኑ ሰዓብቱ ካብን ናብን ኣብ ዝገብርዎ ናይ ገንዘብ ምስግጋር ኣይክጸልዎን’ዩ።

ሩስያ፣ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈላለየ እገዳታት ኣንቢረን ምህላወን ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0