መንግስቲ ኤርትራ፣ ነፈርቲ ኵናት ንምጽጋን ምስ ሩስያ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ተሓቢሩ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነፈርቲ ኵናት ንምጽጋን ምስ ሩስያ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ተሓቢሩ

Radio Erena: 16 June, 2014

ERAF MIG

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይነን ንዘለዋን ተወሳኺ ምምሕቅሽ ክግበረለን ዘድለያን ሚግ 29 ነፈርቲ ኵናትን ሄሊኮፕተራትን፣ ንኽጽገና ምስ ኩባንያ ሩስያ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ኣጽዋር መሸተ እገዳ ካብ ዘንብር ንደሓር፣ ብፍላይ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ መቐያየሪ ኣቝሑ ንምሽማት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ከምዝደሎ ብተደጋጋሚ እዋን ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ኣባል ባይቶ ጸጥታ ዝኾነ ሩስያ’ውን ነቲ ብዓብላላ ድምጺ ዝጸደቐ ውሳነ እገዳ ከተተግብር ትግደድ እኳ እንተኾነት፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዕደና ዘተኮረ ወፍሪ ንምክያድ ስምምዓት ኣብ እትኽትመሉ ዘላ እዋን ግና፣

ነቲ ውሳኔ ብምጥሓስ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣጽዋርን መቐያየሪ ኣቑሑ ክትሸይጥን ነፈርቲ ክትጽግን ከምእትኽልእን ይግለጽ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሚግ 29 ከምኡ ድማ ሱኸይ 27 ዝዓየንተን ነፈርቲ ውግእ ካብ ሩስያ ከምዝሸመተ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ 3 ካብተን ዝተሸመታ ሚግ 29 ነፈርቲ ኣብ እዋን ኵናትን ኣብ ልምምድ ብዘጋጠመ ሓደጋን ካብ ስራሕ ወጻኢ ክኾና እንከለዋ፣ እተን ኣብ ስራሕ ዝርከባ ድማ፣ ብቑዕ ቴክኒካዊ ጽገናን መቐያየሪ ኣቝሑን ክረኽባ ብዘይምኽኣለን ተዓሽገን ከምዘለዋ’ዩ ዝጥቐስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ካብ ዩክሬን ተነጺላ ምስ ሩስያ ሕግብግብ እትብል ዘላ ዞባ ክሪምያ ምብጽሑ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ዝተስሰምዖ ቅሬታ ብወግዒ ምግላጹ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩክሬን ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኤርትራ ናብ ክሪምያ ዝበጽሓሉ ምኽንያት ዘለዎ ዲፕሎማስያዊ ረብሓ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፣ ዩክሬን ነቲ ዑደት ዘይምሕዝነታውን ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስን’ዩ ክብል ኮኒንዎ።

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብታ ዛጊት ከም ኣካል ዩክሬን እትፍለጥን ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘይረኸበትን ሩስያ ድማ ከም ኣካላ እትገልጻን ርእሰ ምምሕዳር ክርምያ ዑደት ምክያድ ንሉኣላውነት ዩክሬን ዝጥሕስ’ዩ ክብል’ውን እቲ ሚኒስተሪ ኣብ መግለጺኡ ተቓዊምዎ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክልተ ግዜ ናብ ሩስያ ዑደት ምክያዱ ይፍለጥ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0