መንግስቲ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 15 March 2018

un_logoመንግስቲ ኤርትራ ምግሃሰ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ መበል 37 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብ12ን 14ን መጋቢት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ’ዩ።

ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሁማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ መንግስቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከመሓይሽን ናይ ሕቡራት ሃገራት ተዓዛቢ ኣካል ናብ ኤርትራ ብምእታው መጽናዕቲ ከካይድን ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ጻውዒታት ሸልል ብምባል፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽሎ ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዓመታዊ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ዋዕላታት ይኹን ፍሉይ ኣኼባታት፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ከረጋግጽ እኳ እንተኸኣለ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ እኹል ጸቕጢ ክግበር ብዘይምኽኣሉ ግና እቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይቕጽል ከምዘሎ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የተሓሳስቡ።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕን ፍርድን ንዓመታት ምእሳር፣ ሃለዋት እሱራት ምጥፋእ፣ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምስግዳድ፣ መሰረታውያን መሰላት ሃይማኖትን ብናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምድራት ዝኣመሰሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፍጸሙ ጸብጻባት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት የረጋግጽ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0