መንግስቲ ኤርትራ፣ መሳርሒ ህግደፍ ንዝኾኑ ኣቡናት ዝወገዙ ክልተ መነኩሳት ደብረ ቢዘን ኣሲሩ

መንግስቲ ኤርትራ፣ መሳርሒ ህግደፍ ንዝኾኑ ኣቡናት ዝወገዙ ክልተ መነኩሳት ደብረ ቢዘን ኣሲሩ

Radio Erena: 01 October 2017

Patriarch

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ነቶም መሳርሕ ህግደፍ ኮይኖም ኣለዉ ዝበልዎም ኣቡናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝወገዙ ክልተ መነኩሳት ደብረ ቢዘን ከምዝኣሰሩ ተሓቢሩ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን፣ ብ1 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ መንፈሳውያን ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ንኣባ ሉቃስን ንኣባ ባስልዮስን ብዝገብርዎ ዘይሕጋውን ዘይመንፈሳውን ኣሰራርሓ ብትሪ ስለ ዘወገዝዎም ድሮ ክልተ መነኮሳት ብወተሃደራት መንግስቲ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሓይሮም ከምዘለው ኣረጋጊጹ ኣሎ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ንዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ እቶም ኣቦታት ደብረ ቢዘን ብትሪ ኮኒንዎ ኣሎ።

ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኣቡናት ንዝወገዘ ገዳም ደብረ ቢዘን ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ብ22 መስከረመ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ምፍርርሑ ይዝከር።

ገዳም ደብረ ቢዘን፣ ኣብ ጽባሕ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ፣ኣብ 12 መስከረም 2017 ኣብ ዝዘርግሖ ደብዳቤ፣ ካብ ሕግን ስርዓትን ቤተክርስትያን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ኦሮቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፣ ብዙሕ በደላት ንዝፍጽሙ ዘለዉ ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ሉቃስን ኣማሓዳሪ መንበረ ጵጵስና ኣቡነ ባሲልዮስን ከምዝወገዘ ኣይርሳዕን።

ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን ብቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ 2006 ዝተወገዙ እኳ እንተኾኑ ብመንግሥቲ ኤርትራ ተደጊፎም ንቤት ኣምላኽን ንኣማኒ ሕዝቢ ተዋሕዶ ዘማስኑ ዘለዉ፥ ካብ ንትእዛዝ ኣምላኽ ንትእዛዝ መንግሥቲ ብምቅዳም መገበርያ ዓለም ብምዃን ካድራት መንግሥቲ ተቐይሮም ምህላዎም ገዳማውያን ኣቦታትን ሕዝብን ተረዲእዎ ዘሎ ጉዳይ’ዩ ክብል መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኣብዚ ትማሊ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣነጺሩ።

“ካብ 2005 ዓም ጀሚሩ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኤርትራ፥ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻርን ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣትያ ኣላ፣” ዝበለ እቲ ኣህጉረ ስብከታት፣ ዘይሕጋዊ ምውራድ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራን ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ኣቦታት ካህናት ዝኣመሰለ በደላት ከምዝሰዓበ’ውን ኣዘኻኺሩ።

መሳርሒ ህግደፍ ኮይኖም ዘለዉ ኣባ ሉቃስን ኣባ ባስልዮስን፡ ኩሎም ውሉደ-ክህነት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከይዶም ብረት ይዕጠቑ ኢሎም ድሕሪ ምኽታሞም፣ ነዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ምዕናይ ስጉምቲ ዘስትውዓልሉ ኣቦታት ገዳማውያን፥ ሰማዕትነት ዝሓትት ውሳኔ ፈጺሞም ከምዘለዉ ጠቒሱ።

ካህናት ናብ ግዱድ ውትህድርና ዝብል ትእዛዝ መንግስቲ ዘይንቡርን ዘይግቡእን ብምዃኑ ከምዝነጽጎን ከምዝውግዞን ዘፍለጠ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ነዚ ኣብነታውን ታሪኻዊ ውሳኔን ኣቦታት ገዳም ደብረ ቢዘን ኩሎም ካልኦት ገዳማውያን ኣቦታት ክስዕብዎን ከኽብርዎን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0