”መንግስቲ ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ጸጥታ ሶማልያ ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ” ተቖጻጻሪ ጉጅለ

    ካብ 2009 ኣትሒዙ ንዝተነብረሉ እገዳ ክልዓል ዝሓትት ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሕጂ’ውን ኣንጻር መንግስቲ ሶማል ንዝኾኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ብምድጋፍ ጸጥታ እታ ሃገር ንምዝራግ ይሰርሕ ኣሎ ክብል ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ሓድሽ ጸብጻብ ወቒሱ።

    መንግስቲ ኤርትራ ኣልሸባብ ንዝርከቦም ዕጡቓት ሶማል ከምዝድግፍ ዝኾነ መርትዖ የለን ብምባል፣ እቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተነብረሉ እገዳ ክልዓል ብተደጋጋሚ ክሓትት እኳ እንተጸንሐ፣ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ከካይዶ ብዝጸንሐ ደቒቕ መጽናዕቲ፣ ምስ ኣልሸባብ ቅርበት ዘለዎም ከም ዓብዲ ኑር ስዒድ ዓብዲ ወሊን መሓመድ ወሊ ሸኽ ኣሕመድ ኑርን፣ ዝኣመሰሉ ዕሉላት ተቓወምቲ መንግስቲ ርክባት ምክያድ ይቕጽሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

    እቲ ሓደ ካብ ጎይቶት ኵናት ሶማል ምዃኑ ዝግለጽ ዓብዲ ወሊ ምስቲ ኣብ ኣመስራ ዝመደበሩ ዶክተር ዛካርያ መሓመድ ሓጂ ዓብዲ ዝምራሕ ሓይልታት ኪዳን ሶማል ምትእስሳር ከምዘለዎ’ዩ ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ዘመልክት።

    ሮይተርስ ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ንዘለዎም ሰባት ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ’ውን፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስዞም ሶማልያውያን ብዛዕባ ምወላን ካልእ ጉዳያትን ብዕጹው ከምእተዘራረበ ጠቒሱ።
    መሓመድ ወሊ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ምስ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን መሓመድ መንታይ ኣብ ካርቱም ተራኺቡ ከምእተዘራረበ’ውን ተቖጻጻሪ ጉጅለ መርትዖ ከምዘለዎ የመልክት።

    ኣባል ወትሃደራዊ ስለያ ነበር ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ መሓመድ መንታይ፣ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ጉዳይ መንግስቲ ኬንያ ኣብ 2009 ካብ ሃገሩ ከምዝሰጎጎ ይግለጽ።
ተቖጻጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራን ሶማልን ብዝምልከት 500 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ከቕርብ ምዃኑ ድሮ ተሓቢሩ እኳ እንተሎ፣ ብፍሉይ ንኤርትራ ዝምልከት 80 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ’ውን ኣዳልዩ ኣሎ።

    እቲ 500 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ ብኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝኾነ ተቓውሞ ስለዘይገጠሞ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ምዃኑ ዝሓበረ ሮይተርስ ድማ፣ እቲ ብፍሉይ ንኤርትራ ጥራይ ኣመልኪቱ ዝቐረበ 80 ገጻት ዝሓዘ ጸብጻብ ሩስያ ብዘቕረበቶ ተቓውሞ ኣይክዝርጋሕን’ዩ።

    ወኪል ሩስያ ናብ ኣቦመንበር ኮሚቴ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ኣምባሳደር ኪም ሱክ ኣብ ዝልኣኾ ደብዳቤ፣ እቲ ጸብጻብ ርትዓዊ ዘይኮነን፣ መሰረት  ዘይብሉ መደምደምታን ለበዋን ዝሓቖፈ ብምዃኑ መንግስቲ ሩስያ ከምዝቓወሞ’ዩ ገሊጹ።

    ኢጣልያ ብወገና፣ ዋላ’ኳ ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ተቓውሞ እንተዘይብላ፣ መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዕደና እተገልግል ሄሊኮፕተር ንመንግስቲ ኤርትራ ምሻጡ፣ ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ሸመተ ኣጽዋር ዝጥሕስ’ዩ ዝብል ነጥቢ ግና ብትሪ ነጺግዎ።
ኣምባሳደር ኢጣልያ ሴዛር ማሪያ ራጋግሊኒ፣ ኢጣልያ ነታ ሄሊኮፕተር ንመግስቲ ኤርትራ ዝሸጠሉ ንሲቪላዊ መዓላ ደኣምበር ንዝኾነ ወትሃደራዊ መሳለጥያ ከምዘይኮነ’ዩ ጠቒሱ። ብዛዕባ መሸጣ እታ ሄሊኮፕተር ብዝምልከት’ውን ናብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሓበሬታ ከምዝሃበ ኣረዲኡ።

    እንተኾነ ተቖጻጻሪ ጉጅለ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ሄሊኮፕተር ኣብ ወትሃደራዊ መዓላ ይግልገለላ ኣሎ ክብል’ዩ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።

    ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሳ ዘላ ቻይና’ውን ንመኽዘን ዓበይቲ መካይንን ካልእ ኣቝሑን ብዝብል ኣብ ኤርትራ ዝሃነጸቶ ዲፖ ወይ ማእከል፣ መኽዘን ታንክታት ዝርከቦ ወትሃደራዊ ኣጽዋር ኮይኑ ምህላዉ ዝእንፍት ነጥቢ ብምቕራቡ ሕጉስቲ ከምዘይኮነትን ቻይና ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ከምዘይጥሓሰትን፣ ዲፕሎማሰኛኣ ኣረዲኡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0