መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታቱ ክዓጽው እዩ

Radio Erena: 23 August 2021
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝርከብ ኤምባሲታቱ ክዓጽው ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ሰሙናዊ ኣብ ዝህቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዝሃቦ ቃል መሰረት፣ ኢትዮጵያ ካብ ዝግበኣ ንላዕሊ ዝብዝሖም ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ጉዳያትን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዓለም ኣዋፊራ፣ ዘየድልይ ወጻኢታት ተባኽን ኣላ ኢሉ።
ወሃብ ቃል ዲና ሙፍቲ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቁጽሪ ናይ’ዞም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ወከልቲ ንምንካይ፣ መጽናዕቲ ተጻፊፉ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ከምዝዝከር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንኣባላት ባይቶ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ኢትዮጵያ ኣዋፊራቶም ዘላ ዲፕሎማስያዊያን ልኡኻት ካብ ዓቐን ንላዕሊ በዚሖም ስለዘለዉ፣ ቁጽሪ ኣምባሳደራታ ብውሑዱ ናብ 30 ክወርዱ ኣለዎም ኢሉ’ዩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፣ ቀንዲ ምኽንያት ምንካይ ኣምባሳደራትን ሰራሕተኛታት ኤምባሲን፣ ወጻኢታት ንምቕናስ ምዃኑ ሓቢሩ።
ብመሰረት’ዚ ዝወጸ መግለጺ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበሩ ቆንስላዊ ጉዳያት ተዓጽዮም፣ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኤምባሲ፣ ኣብ ኒው ዮርክ ከኣ ወኪል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ጥራይ ክተርፉ እዮም። ብተመሳሳሊ ኣብ ቻይና እውን ኣብ ከተማ በይጂን ዝርከብ ኤምባሲ ጥራይ ተሪፉ፣ ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ዝነበሩ ወከልቲ ኩሎም ስርሖም ደው ከብሉ እዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0