መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀይድዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ለቒቑ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀይድዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ለቒቑ

Radio Erena : 10 July 2015

6ethi

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቀይድዎም ዝጸንሐ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ለቒቑ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቶም ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ኣብ ኢንተርነት ጽሑፋት ዘበርክቱን ኢትዮጵያውያን ዝልቐቑ ዘለዉ፣ ኣህጉራዊ ዋዕላ ምወላን ንምዕባለን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምክያድ ምድላዋት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ርእዮት ኣለሙ ዝተባህለት ሓንቲ ካብቶም ጋዜጠኛታት፣ ብቤት ፍርዲ ካብ ዝተበየነላ ማእሰርቲ ክልተ ሲሶ ስለዝዛዘምት፣ ጠበቕኣ ንኽትፍታሕ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ከምዝተለቐት ንሚኒስተር ፍትሒ ኢትዮጵያ ብምጥቃስ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣመልኪቱ።

 

እቶም ካልኦት ድማ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊኦም ዘንበሮ ክስታት ብሃንደበት ስለዝኣለዮ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ከምዝተለቑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብዘይካ’ቲ ኣብ 13 ሓምለ ዝጅምር ኣህጉራዊ ዋዕላ ምወላ ንልምዓት፣ ኣብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ ፕረዚደንት ባርክ ኦባማ ናብታ ሃገር ዑደት ከካይድ ስለዝኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንቐፈሉ ንዝኽእል ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ንምውጋድ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ ትንታነታት ይወሃበሉ።

ኢትዮጵያ፣ ብናጽነት ፕረስን ብዝሒ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጠኛታትን ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 142’ያ ትስራዕ።

እዚ ሕጂ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታት ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ድማ ንደረጅ እታ ሃገር ኣብ መዳይ ናጽነት ፕረስ ከመሓይሾ’ዩ።

ብናጽነት ፕረስን ብዝሒ ኣሲራቶም ዘላ ጋዜጠኛታትን ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ እትርከብ ኤርትራ ክትከውን እንከላ፣ ነዚ ደረጃ’ዚ ንሽዱሽተ ተኸታታሊ ዓመታት’ያ ሒዛቶ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0