መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ደምህት ክተሓባበሩ ጸኒሖም ንዝበሎም  ክልተ ነበርቲ መቐለ ቀይዱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ደምህት ክተሓባበሩ ጸኒሖም ንዝበሎም ክልተ ነበርቲ መቐለ ቀይዱ

Radio Erena: 12 March 2015

demhit

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝመደበሩ ዕጡቕ ተቓዋሚ ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ርክብ ኔርኩም ንዝበሎም ክልተ ተቐማጦ ከተማ መቐለ ቀይዱ።

ዘ ሪፖርተር ኣብ ናይ ትማሊ ሕታማ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ምስ ደምህት ርክብ ኔርኩም ተባሂሎም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣቶ ኣማረ ተወልደን ኣቶ ታሪክዩ በላይን ዝተባህሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ፣ ብመንገዲ ቴሊኤፎን ሓበሬታ ከመሓላልፉን ካልእ ስለያዊ ንጥፈታት ከካይዱን ጸኒሖም ዝብል ክሲ’ዩ ተመስሪትሎም።

ብፍላይ ኣቶ ኣማረ ተወልደ ኣቶ ጎይቶኦም በርሀ ምስ ዝተባህለ ኣብ መቐለ ብቀረባ ምስ ዝፈልጦ ዝነበረን ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብ መራሕቲ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ደምህትን ምስ ዝኾነ ሰብ ብቀጥታ ብቴሌፎን እናተደዋወሉ ሓበሬታ የመሓላልፍ ኔሩ ብምባል’ዩ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ብ’ስለያ’ ከሲስዎ ዘሎ።

 

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣባላት ደምህት ናይ ምምልማል ንጥፈታት ከካይዱ ጸኒሖም ዝብል ተወሳኺ ክሲ ቀሪብሎም ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንግንቦት ሸውዓተ፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ከምኡ ድማ ንሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን(ኦብነግ) ሽበራውያን ጉጅለታት’ዮም ክብል ብወግዒ ክገልጾም እንከሎ፣ ንደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ህዝቢ ትግራይ(ደምህት) ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ስያሚ ኣይሃቦን።

ብመሰረት ሕጊ ኢትዮጵያ፣ ንሓደ ተቓዋሚ ጉጅለ ሽበራዊ’ዩ ዝብል ውሳኔ ዝህብ ፓርላማ እታ ሃገር ጥራይ ምዃኑ’ዩ ዘመልክት ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር።

ኣብ 2002 ኣብ ኤርትራ ዝተመስረተ ደምህት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝዓበየ ወትሃደራዊ ሓይሊ ወኒኑ ዝርከብ ዕጡቕ ተቓዋሚ ኢትዮጵያ ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0