መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ኢኹም ዝበሎም ትሽዓተ ሰባት ቀይዱ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ኢኹም ዝበሎም ትሽዓተ ሰባት ቀይዱ

Radio Erena : 03 August 2015

EPPF

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኤርትር ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ‘ኣርበኞች ግንባር’ ኢኹም ዝበሎም ትሽዓተ ተቐማጦ ሰሜን ጎንደር ምቕያዱ ጋዜጣ ዘ ሪፖተር ሓቢሩ።

እቶም ሓደ ኣባል ፈደራል ፖሊስን ሓደ ዶክተርን ዝርከብዎም ጥሽዓተ ጥርጡራት፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ሓይሊ ተልእኾ እናተዋህቦም፣ ሓደስቲ ኣባላት ኣብ ምምልማል ተዋፊሮም ከምዝጸንሑ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኸስስ።

እቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣባላት ኣርበኞች ግንባር ኢኹም ኢሉ ቀይዶም ዝርከብ ትሽዓተ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብ ኤርትራ ሓሬና ኣብ ዝተባህለ ቦታ ወትሃደራዊ ታዕሊም ከምዝወሰዱ’ውን ኣብቲ ክሲ ቀሪቡ ኣሎ።

 

እንተኾነ እቶም ተኸሲሶም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ኣባላት’ቲ ተቓዋሚ ሓይሊ ከምዘይኮኑን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምን ሶማሌን ምስ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ምትእስሳር ኣለኩም ብዝብል ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቕይድ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ የረድኡ።

ዝሓለፈ ዓመት ብወግዒ ዝሓበሩ ንክልል ኣምሓራ ዝወከሉ ተቓወምቲ ሓይልታት ግንቦት ሸውዓተን ኣርበኞጭ ግንባርን፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ ሑመራ፣ ወልቃይት ክሳብ ኣርማጭሆ ኣብ ዘሎ ከባቢታት መጥቃዕታት ከምዘካይዱ’ዮም ዝገልጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ካብ ኤርትራ ዝተበግሱ ዕጡቓት መጥቃዕቲ ከምካይዱ ከምዝፈተኑ ብምእማን፣ መብዛሕቶም ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ብመንገዲ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራውያን ኢትዮጵያን፣ ተቓወምቲ ሓድሕዶም ብምምዋልን ብረት ብምዕጣቕን፣ ናይ ውክልና ኵናት ንምቕጻል ከምዝሕልኑ ይፍለጥ።
================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0