መንግስቲ ቻይና ንጅቡቲ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ብሓገዝ ሂቡ

መንግስቲ ቻይና ንጅቡቲ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ብሓገዝ ሂቡ

Radio Erena: 20 July 2016

Y12

መንግስቲ ቻይና ንጅቡቲ ወትሃደራውያን ነፈርቲ ብሓገዝ ከምዝሃበ ላ ናስዮን ዝተባህለት ጋዜጣ እታ ሃገር ሓቢራ።

እተን Y-12 ዝዓይነተን ኣብ መጓዓዝያ ዘገልግላ ክልተ ክነፈርቲ፣ ብ13 ሓምለ ኣብ ዝተገብረ ምርኽኻብ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ዓሊ ሓሰን ባሕዶን ከምኡ ከኣ ሓለቃ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ጅቡቲ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራሂምን ከምዝተረኽቡ እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

ቻይና ብዘይካ’ዚ ንጅቡቲ ኣብ ስልጠና ኣብረቲ’ተን ነፈርትን ናይ ጽገና ክልኢላታትን ትሕግዛ ምህላዋ’ውን እታ ጋዜጣ ጠቒሳ።

 

ኣቐዲማ’ውን ቻይና MA60 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ንጅቡቲ ከምዝሃብት ዝፍለጥ’ዩ።

ውሕዱ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጅቡቲ፣ ገዚፍ ሰራዊት እኳ እንተዘይብላ፣ ካብ ኣመሪካ፣ ቻይና፣ ጃፓንን ካልኦትን ብእትረኽቦ ዘላ ሓገዝ ኣብ ሓይሊ ኣየር ሓይሊ ባሕርን ብዝያዳ ተድህብ ከምዘላ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ቻይና፣ ኣብ መሬት ኣፍሪቃ ንመጀመርያ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከር ድሕሪ ምቛማ፣ ነታ ሃገር ዝተፈላለየ ሓገዛት ክትገብረላ ምዃና መብጾዓ ከምዝኣተወት’ዩ ዝንገር።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ጅቡቲ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕባ ከባቢታት ሙሳ ዒለ፣ ወትሃደራዊ መናውራታት ተካይድ ምህላዋ ኣፍሪካን ኢንተሊጀንስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ጅቡቲ ኣብቲ ከባቢ ወትሃደራዊ መናውራትት ትገብር ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ 13 ሰነ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ረጽሚ’ዩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባተን ወትሃደራዊ መናውራታት ኣብ ዝገብራሉ ዘለዋ እዋን ከኣ፣ ጅቡቲ’ውን ንኢትዮጵያ ብምድጋፍ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ታባ ሙሳ ወይ ሙሳ ዒላ፣ ናይ ሰራዊት ምንቕስቓስ ተርኢ ከምዘላ’ዩ ዝጠቕስ ጸብጻብ እቲ ኣብ ወትሃደራውይን ስለያውን ሓበሬታታት ዘተኩር ማዕከን ዜና።

ኣብ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን ተዓዛቢ ሰራዊት ኣዋፊራ እትርከብ ቀጠር ግና ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበትን።

ኣብ ካልእ ናይ ጅቡቲ ዜና፣ ኣማኢት ነበርቲ ማእከል ሶማል፣ ከተማ ጃላላቕሲ፣ ኣንጻር ኣብታ ሃገር ተወፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ጅቡቲ ናይ ተቓውሞ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ብ19 ሓምለ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ሓደ ጅቡታዊ ዓቃብ ሰላም ንሶማላዊ ወትሃደር ኣብ ድሕሪ ምርሻኑ ዝተጎሃሃረ ምዃኑ ማዕከን ዜና ሸበለ ሓቢሩ።

እቲ ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ ተሰዊሩ ጸኒሑ ዝተባህለ ሶማላዊ ወትሃደር፣ ብዓቃብ ሰላም ጅቡቲ ከምዝተረሸነ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ዞባ ሔራን ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ጅቡቲ ግና ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበሉን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ግብረ መልሲ ናይቲ ዝተፈነወሉ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባት ከምዝቐተለ ክዝረበሉ ቀንዩ’ዩ።

ካብ ኢትዮጵያ፣ ኢጋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ጅቡቲን ኬንያን ዝተዋጽአ ኣስታት 30 ሽሕ ወትሃደራት ዝሓቖፈ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ 2006 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋን፣ ብጅቡታዊ ጀነራል’ዩ ዝምራሕ ዘሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0