መንግስቲ ሶማል ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምዃን ንሓደ ካብ መስረቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 04 October 2022

መንግስቲ ሶማል ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምዃን፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኣልሸባብ ዝኾነ፣ ዓብዱላሂ ናዲር ከምዝቐተሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደ ካብ መስረቲ ኣልሸባብ ምዃኑ ዝተገልጸ ናዲር፣ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሕማም ይሳቐ ከምዘሎ ዝተሓበረ ላዕለዋይ መራሕቲ ናይቲ ጉጅለ፣ ኣሕመድ ድርየ ክትክእ ትጽቢት ዝተነብረሉ’ዩ።

ሰራዊት ሶማል፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ብባሕቲ ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ድማ’ዩ ንናዲር ከምዝቐተሎ ዝገልጽ ዘሎ።

መንግስቲ ሶማል፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ኣብ ማእከላይ ዞባ እታ ሃገር ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ኣመሪካ፣ ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ኢትዮጵያን በብወገኖም ሓገዝ ይገብርሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ካብ 28 ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ዜጋታት ሶማል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክስለፉ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ዩ።

መጥቃዕታት ኣልሸባብ ንምምካት ካብ ኢትዮጵያን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን ወትሃደራዊ ሓገዝ ዝሓትት ዘሎ መንግስቲ ሶማል፣ ካብ 2019 ኣትሒዞም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣስታት 5 ሽሕ ወትሃደራቱ ብምምላስ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሃገሩ ከሰልፍ ኣይከኣለን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ሶማል ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልይ ክሳብ ዝፍታሕ፣ ነቶም ሶማላውያን ወትሃደራት ናብ ዓዶም ከምዘየፋነዎም ከምዝሓበሮ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ኣብ ናይ ኣመሪካ ዑደቱ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ምምላሶም ክተሓባበሮ ተማሕጺኑ።
=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0