መንግስቲ ሶማል፣ ኩሎም ዲፕሎማሰኛታት ኬንያ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ካብ ሃገሩ ክወጹ ኣዚዙ

Radio Erena: 16 December 2020

ሶማል፣ ምስ ኬንያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ርክባት በቲኻ።

ሚኒስተር ዜና ሶማል፣ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ሶማል ምስ ኬንያ ዝነበራ ዝምድና ክትበትኽ ከምዝወሰነት ብምርግጋጽ፣ ኩሎም ዲፕሎማሰኛታት ኬንያ፣ ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት ካብ ሶማል ክወጹን፣ ዲፕሎማሰኛታት ሶማል ድማ ብዝቐልጠፈ ካብ ኬንያ ክምለሱን ጸዊዑ።

መንግስቲ ሶማል ነዚ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ፣ ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ታቱ ከምዘላ ብምውቃስ’ዩ።

ኬንያ ምስታ ኣካል ሶማል ዝኾነት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ብምምስራት፣ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ከምእትልዓዓል ትገብር ኣላ በሃሊት ሶማል።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ፕረዚደንት ናይታ፣ ን29 ዓመታት ካብ ሶማል ተፈልያ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር መስሪታ እትርከብ ሶማሊላንድ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ብዝገበረሉ ዕድመ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኣብ ኬንያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ምፍጻሙ ንመንግስቲ ሶማል ኣቖጡዑ።

ሶማሊላንድ ሉኣላዊት ኣካል ሶማል’ያ ዝብል ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኬንያ ንፕረዚደንት ናይ ሓንቲ ክልል ከም ሓደ መራሒ ከተተኣናግዶ ከምዘይግባእ ዲፕሎማሰኛታት ሶማል ይወቕሱ።

ድሕሪ’ዚ፣ ርክብ ፕረዚደንታት ኬንያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ድማ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ምስ ኬንያ ዝነበሮ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ደው ከምዘበሎ ኣፍሊጡ።

ኣቐዲሙ’ውን መንግስቲ ሶማል፣ ብዘይቪዛ ናብ ሶማል ክኣትዉ ዝፍቀደሎም ንዝነበረ ዜጋታት ኬንያ፣ ካብ ዝብገስሉ ሃገራት ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ኣዋጅ ኣሕሊፉ’ዩ።

እዚ ኣብ መንጎ ሶማልን ኬንያን ተፈጢሩ ዘሎ ምስህሓብ፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ሶማል ክካየድ ትጽቢት ንዝግበረሉ ምርጫ፣ ጸቕጢ ከምዝገብር ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ምስሕሓብ እዘን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝንቀሳቐስ ሽበራዊ ጉጅለ ኣል ሸባብ፣ ህላውነቱ ብዝያዳ ንኸውሕስ ርሒብ ዕድል ከይፈጥር የስግእ።

ኬንያ፣ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ሶማል ዝተዋፈሩ ኣሽሓት ወትሃደራት ኣለዋ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ዳዳብን ከተማታት እታ ሃገርን፣ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሶማላውያን ከምዘለዉ ይግለጽ።

ብዘይካ’ዚ ኬንያ፣ ነታ ብሰንኪ ነዊሕ ዓመታት ዝቀጸል ግጭት፣ ካብ ንግዲ ዓለም ዝተነጸለት ሶማል፣ ቁጠባዊ ጎረሮ ምዃና’ዮም ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ዘረድኡ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0