መንግስቲ ሶማል፣ ናብ ኤርትራ ናይ ዝተላእኩ መንእሰያት ሃለዋት ከፍልጥ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ቀጺሉ

Radio Erena: 25 June 2021

መንግስቲ ሶማል፣ ንታዕሊም ናብ ኤርትራ ናይ ዝተላእኩ መንእሰያት ሃለዋት ከፍልጥ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ይቕጽል ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ጋሮወ ገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ሰለማዊ ሰልፍታት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ መሓመድ ሑሰን ሮብለ፣ ሃለዋት ናይቶም ናብ ኤርትራ ምስተላእኩ ጠፊኦም ዝብሃል ዘሎ ሶማላውያን ኣብ ምንዳይ ዝከኣሎ ክጽዕር ምዃኑ ተመባጺዑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሚኒስተር ምክልኻል፣ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊትን ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣባላት ዘለውዋ፣ ሃለዋት ናይቶም ናብ ኤርትራ ምስተላእኩ ጠፊኦም ዝብሃል ዘሎ መንእሰያት ሶማል እትምርምር ኮሚተ ኣቐዲሙ ኣቝሙ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ኣባላት ባይቶን ወለዲን፣ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ብዝቐልጠፈ ሃለዋት ናይቶም ሶማላውያን ክሕብር ዝጠልብ ጸውዒታት የቕርቡ ኣለዉ።

መብዛሕቶም ወትሃደራውያን ኣዘዝቲን ሓለፍቲ ጸጥታን ሶማል፣ ብዛዕባ’ቶም ብምስጢር ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ተላኢኾም ዝብሃሉ ዘለዉ ኣሽሓት መንእሰያት ሶማል ኣፍልጦ ከምዘይብሎምን ተሓታቲ ፕረዚደንት ፋርማጆ ምዃኑን ይጥቀስ።

ናብ ቀጠር ክትልኣኹ ተባሂሎም ካብ 2018 ኣትሒዞም ብፍሉይ ዝተመልመሉ ኣሽሓት መንእሰያት፣ ብዘይዝኾነ መሰነይታ ሰነድ በብእዋኑ ብነፈርቲ ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ጋረወ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሶማል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ይገልጽ።

ኣስታት 10 ሽሕ ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ዝተገመቱ መንእሰያት ሶማል፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ኤርትራ ታዕሊም፣ ናብ ኵናት ትግራይ ከምዝወፈሩን፣ ኣማኢት ካብኣቶም ድማ ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉን ካብ ወገን ወለዲን ኣባላት ፓርላማ ሶማልን ይግለጽ’ዩ።

ኣዴታት ድሕሪ ዘካየድኦ ተቓውሞ፣ እቶም መንእሰያት ናብ ኤርትራ ንታዕሊም ከምዝኸዱ ክእመን ዝተገደደ መንግስቲ ሶማል፣ ናብ ኵናት ትግራይ ምእታዎም ግና ይኽሕዶ’ዩ ዘሎ።

ነቶም ኣሽሓት መንእሰይት ብምስጢር ናብ ኤርትር ከምዝልኣኸ ዝጥቐስ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ወትሃደራት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ወግዓዊ መግለጺ ካብ ምህብ ተቖጢቡ ይርከብ።
=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0