መንግስቲ ሱዳን: ንሰላሳ መዓልታት ዝጸንሕ፤ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣውጺኡ

Radio Erena: 23 October 2022

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ንሰላሳ መዓልታት ዝጸንሕ፤ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣውጺኡ።

እቲ ኣዋጅ፤ ኣብ ዞባ ብሉ ናይል ዝዋፈሩ ሰራዊት ሱዳን፤ ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን፤ ነቲ ቀቢላዊ ግጭት ንምዕራፍ፤ ኣድላዪ ዝበሉዎ ኩሉ ሓይሊ ክጥቀሙ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዙ ክጎሃሃር ዝጸንሐ ቀቢላዊ ግጭት ብሉ ናይል፤ ህይወት 13 ሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምውሳዱ ንግዚኡ ዝሃደአ እኳ እንተመሰለ፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዳግማይ ተወሊዑ፤ ብሰንክኡ ከኣ 155 ሰባት ሞይቶም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፤ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዪዱ።

ኣባል ናይቲ ብማሊክ ኣጋር ዝምራሕ ኤስ.ፒ.ኤል.ኤም. ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣሕመድ ኣል ዖምዳ፤ ኣብ እዋን’ቲ ቀቢላዊ ግጭት፤ ድሕነት ህዝቢ ንምሕላው ዝኾነ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ፤ ‘ኣይውክለናን እዩ’ ብምባል እዮም ሰልፈኛታት ድምጾም ኣቃሊሖም።

እቲ ዋንነት መሬት ዘንቀሎ ቀቢላዊ ግጭት፤ ኣዴታት ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ብውሑዱ ህይወት 170 ሰባት ከምዝወሰደን፤ ልዕሊ 327 ካልኦት ከኣ ቆሲሎም ከምዘለዉን፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0