መንግስቲ ሱዳን ተወሳኺ ሓድሽ ምትዕርራይ ባጀት ኣካዪዱ

Radio Erena: 27 June 2021

መንግስቲ ሱዳን ተወሳኺ ሓድሽ ምትዕርራይ ባጀት ኣካዪዱ።

ብመሰረት’ዚ ሓድሽ ተኣታትዩ ዘሎ ምትዕርራይ፣ ኣብ መንግስቲ ዝግበር ዝነበረ ወጻኢታት ጎዲሉ፣ ናብ ማሕበራዊ ዕዳጋታት ዝያዳ ከተኩር ምዃኑ፣ ካብ ከተማ ካርቱም ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ምትዕርራይ ወጻኢታት መንግስቲ፣ ሰበስልጣን ዝገብሩዎ መገሻታት ብ50 ሚእታዊት፣ ንመካይን መንግስቲ ዝወሃብ ዝነበረ ነዳዲ ብ20 ሚእታዊት፣ ወርሓዊ ባጀት ኤምባሲታት ብ25 ሚእታዊት ክጎድል ዘጠቓለለ እዩ።

ንዝተጸገማ ስድራቤታት ዝወሃብ ፋይናንስያዊ ደገፍ እውን ክብ ክብል ምዃኑ ባይቶ’ታ ሃገር ኣጽዲቑ ኣሎ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ናይ 2021 ዓመታዊ ጸብጻብ ንሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ወርሓዊ ወጻኢታት ጸብጻብ ኣብ ምቕራብ ሓያል ጻዕርታት ይገብር እኳ እንተሎ፣ ኣብ ፋይናንስያዊ ምሕደርኡ ግና ብዙሕ ግሉጽነት ዝጎደሎ ኣሰራርሓ ይኽተል ምህላዉ እያ ትገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሰራዊት ዝካየዳ ትካላትን፣ ኣብ ሰራዊት ዝግበር ወጻኢታት ብሓፈሻን፣ ንጹርነት ዝጎደሎን ዘተማለአን እዩ ክብል ይነቅፍ።

ሰራዊት ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብን ዘይርጉእነት ኣካላት መንግስትን ከም ሃጓፍ ተጠቒሙ፣ ዝገብሮ ዘሎ ዘይተኣደነ ወጻኢታት፣ መግትኢ ክግበረሉ ኣመሪካ ተጠንቅቕ።

ሱዳን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ ጸኒዑ ዝጸንሐ ቁጠባዊ ማዕቀብን ሕማቕ ምሕደራን፣ ተሸሚማቶ ካብ ዘላ ዓዘቕቲ ንምውጻእ፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ካብ 110 ኣባል ሃገራት ዝኣከቦ ናይ ልዕሊ 50 ቢልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑላ ከምዘሎ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ገሊጹ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0