መንግስቲ ሱዳን ቀይድዎም ዘሎ ክልተ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ክልቀቑ ጻውዒት ቀሪቡ

መንግስቲ ሱዳን ቀይድዎም ዘሎ ክልተ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ተሓኤ ክልቀቑ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 04 February 2016

ELF

ኣባላት ጸጥታ ሱዳን፣ ንክልተ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ደምበ ተቓውሞ ቀይዶም።

እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳም 30 ጥሪ ኣብ ከሰላ ዝተቐየዱ ኣባላት መሪሕነት ደምበ ተቓውሞ፣ መራሒ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ዴሞክራስያዊ ኤርትራዊ ኪዳንን ኣቶ ሑሰን ከሊፋን ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቶ ዓብደላ ሓምዳይን’ዮም።

እዞም ክልተ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝተኣስርሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

 

መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ ምእሳር ናይዞም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ከሰላን ካልእ ክፋል እታ ሃገርን ክተቐመጡ ኣባላት መሪሕነት ናይቲ ኣብ ስደት ዳግም ዝቖመ ተሓኤ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

እቲ መንግስቲ ነዞም ክልተ ኤርትራውያን ብዝቐልጠፈ ክፈትሖም ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ውድባትን ማሕበራትን ጸዊዐን ኣለዋ።

መንግስቲ ሱዳን በብእዋኑ ንኣባላት መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ከምዝኣስርን፣ ነዊሕ ከይጸንሐ ከይጸንሐ ከኣ ከምዝፈትሖምን ይፍለጥ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0