መንግስቲ ሱዳን፤ ኣብቲ ብኤርትራ ዝተዳለወ ዘተ ሰላም ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ: ክሳተፉ ንዝተበገሱ ወከልቲ ቀቢላታት ከኣ ካብ ዶብ ከይሓልፉ ኣጊዱ

Radio Erena: 07 August 2022

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፤ ኣብቲ ንግጭት ምብራቕ ሱዳን ክፈትሕ ብኤርትራ ዝተዳለወ ዘተ ሰላም ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ሳድቕ፤ ብ6 ነሓሰ ንሱዳን ትሪብዩን ኣብ ዝሃቦ ቃል እዩ መንግስቱ ኣብቲ ብፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተወደበ ዘተ ከምዘይሳተፍ ዘፍልጥ ዘሎ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፤ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ዘተ ኣይሳተፍን ጥራይ ዘይኮነ፤ ብፕረዚደንት ኢሰያስ ንዝተዓደሙ ዝተፈላለዩ ወከልቲ ቀቢላታት እውን ናብ ኤርትራ ኣብ ዝጎዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፤ ኣብ ዶብ ከምዝኸልከሎም፤ ካብ ሱዳን ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም ወከልቲ ቀቢላታት፤ ዶብ ሱዳን ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉሉ ምኽኒያት ናይ ቪዛ ጉዳይ እዩ፤ ክብል እዩ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምኽኒያት ዘቕርበሉ።

ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ግንባር ንናጽነትን ፍትሕን ሱዳን፣ ኣልኣሚን ዳውድ ብኣንጻሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፤ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፤ ዝርዝር ኣስማት እቶም ዕድመ ዝተገብረሎም ወከልቲ ቀቢላታትን ውድባትን፤ ኣቐዲሙ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተላኢኹ ምንባሩ ብምግላጽ፤ እቲ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ዝተዋህበ ምኽኒያት ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ፤ ኣብዚ ዓመት’ዚ ናብ ሱዳን ተደጋጋሚ ምብጻሕ ብምክያድ፤ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ክሽምግል፤ ናብ ጀነራል ኣልቡርሃን ምሕጽንታ ከቕርብ ጸኒሑ’ዩ።

እንተኾነ ንገለ ካብቶም ስምምዕ ሰላም ጁባ ዝፈረሙ ጉጅለታት ስለምንታይ ኣብዚ ዘተ ሰላም ዘይዓደሞም ንጹር ኣይኮነን።

ብኣንጻሩ መራሒ ቀቢላ ሃደንድዋ መሓመድ ኣልኣሚን፤ ስምምዕ ሰላም ጁባ ተቓዊሙ፤ ምብራቕ ሱዳን ክመርሕ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ንዝተመዘዘ በዓል ስልጣን ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ መሪሑ ክነሱ፤ ኣብቲ ዘተ ሰላም ተዓዲሙ ይርከብ።

እቶም ኣብ ፓስፖርትኹም ቪዛ ኣይተሃርመልኩምን ተባሂሎም ኣብ ዶብ ከሰላ ዝተኸልከሉ ፖለቲከኛታትን ወከልቲ ቀቢላታትን ቁጽሮም 112 ክኸውን እንከሎ፤ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ንኣስታት 6 ሰዓት መልሲ ክረኽቡ ከምዝተጸበዩ፤ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ገለ ካብቶም ወከልቲ ቀቢላታት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘተ፤ ኮንፈረንስ ደኣምበር ንስምምዕ ሰላም ጁባ ዝትክእ ኣይኮነን ኢሎም። ዙሮት ኣብ ከተማታት ኤርትራን ርክብ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስን እውን ከም መደብ ተሰሪዑሎም ምንባሩ ገሊጾም።

ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብ ካርቱም ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ትንታነ፤ እቶም ወከልቲ ቀቢላታትን ፖለቲከኛታትን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ዘተ ከይሳተፉ ዝኽልክል ውሳነ፤ ብጀነራል ኣልቡርሃን ከምዝተዋህበ እዮም ዘመልክቱ። እቶም ተንተንቲ፤ ‘ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ተገዳስነት ከተርእይ ንቡር እኳ እንተኾነ፤ ብዘይ ፍቓድ ጀነራል ኣልቡራን ግና ዝኾነ ምትእትታው ክትገብር ኣይትኽእል እያ’ ክብሉ ትንታነኦም ይህቡ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፤ እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ሰዓት፤ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0