መንገዲ ኣየር ፍላይ-ዱባይ፣ ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብን ናብን ኣስመራ ዱባይ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ

መንገዲ ኣየር ፍላይ-ዱባይ፣ ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብን ናብን ኣስመራ ዱባይ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ክጅምር’ዩ

Radio Erena: 14 August 2015

Fly Dubai

ኣብ ዱባይ ዝመደበሩ መንገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ፣ ካብ 25 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ካብን ናብን ኣስመራ ዱባይ ስሩዕ ናይ መጓዓዝያ በረራ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልታት ማለት ሰኑይ፣ ሓሙስ፣ ዓርብን ቀዳምን ስሩዕ ናይ መጓዕዝያ ኣገልግሎታት ክህብ መደብ ሓንጺጹ ኣሎ።

ብሒደት መንገዲ ኣየር ጥራይ ተባሒቱ ዝጸንሐ ዕዳጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክጽንበሮ ዝወሰነ ፍላይዱባይ፣ ብዘይካ፣ቲ ናይ ኣስመራ በረራታቱ ኣቐዲሙ’ውን ናብ ሶማሊላንድ፣ ርዋንዳ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያን ብሩንዲን ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

 

ካብ 2009 ኣትሒዙ ናብ ጅቡቲ ካብ 2011 ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ በረራታት ከያክድ ዝጸንሐ ፍላይ ዱባይ፣ ናብ ሰሙን ናብ 13 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስታት 60 ናይ መጓዓዝያ በረራታት የካይድ።

ምጅማር እዚ መንገዲ ኣየር፣ ነቶም ካብን ናብን ዱባይ ዝመላለሱ ኤርትራውያን ብፍላይ ነጋዶ ዝጸንሖም ናይ በረራታት ኣገልግሎት ምጭንናቕ ከቓልለሎም ትጽቢት ኣሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዘይካ’ተን ብኤርትራ ዝመሓደራ ዘለዋ መንገዲ ኣየር ኤርትራን ናስ ኤየር ኤርትራን፣ መንገድታት ኣየር ሱዳን፣ ቱርኪ፣ ቀጠርን ግብጽን ካብን ናብን ኤርትራ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ኣብ ምሃብ ይርከባ።

ካብን ናብን ኤውሮጳን ኣስመራን ውሑስ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህብ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ድሕሪ ምቑራጹን መንገዲ ኣየር ኤርትራ ድማ ብሰንኪ ክሳራ ደው ድሕሪ ምባሉን፣ ነቲ ካብን ናብን ኤውሮጳን ኤርትራ ዝነበረ መስመር ንምትካእ ስርሑ ዝጀመረ ኣብ ሽወደን ዝመደበሩ መንገዲ ኣየር ፍላይ ኦሎምፒክ’ውን ብሰንኪ ክሳራ ነዊሕ ኣይቅጸለን።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ’ውን መንገዲ ኣየር ማሳዋ ዝተባህለ መንገዲ ኣየር ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምሃብ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ።

===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0