መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ናብ ኣስመራ መዓልታዊ በረራ ከካይድ ጠለብ ኣቕሪቡ

መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ናብ ኣስመራ መዓልታዊ በረራ ከካይድ ጠለብ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 28 August, 2014

Egypt air lines

መንገዲ ኣየር ግብጽ፣ ናብ ኤርትራ መዓልታዊ በረራታት ንምክያድ ጠለብ ኣቕሪቡ ከምዘሎ፣ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታት መንገዲ ኣየር ሓበሬታ ዝዝርግሕ ኣና ኤሮ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ጥራይ ካብን ናብን ኣስመራ-ካይሮ በረራታት ዘካይድ ዘሎ መንገዲ ኣየር ግብጺ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ መዓልታዊ ንኽገብሮ ጠለብ ዘቕርበሉ ምኽንያት ኣይተጠቕሰን።

መንገዲ ኣየር የመን’ውን፣ ነቲ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ዘሎ ናይ ኣስመራ -ሰንዓ በርረራታቱ፣ ናብ ኣርባዕተ መዓልታት ክብ ከብሎ ከምዝኽእል እቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

 

ኣስመራ-ሰንዓ፣ ናይ ኣስታት ሰለስተ ሰዓታት በረራ ክኸውን እንከሎ፣ ኣስመራ- የመን ድማ ሓደ ሰዓትን 10 ደቒቕን’ዩ ዝወስድ።

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፣ መዓልታዊ ንዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከእንግድ ናይ ኣገልግሎት ዓቕሚ ክሓጽሮ ከምዝኽእል ስለዝግለጽ፣ ነዚ መንገድታት ግብን የመንን ኣቕሪበንኦ ዘለዋ ጠለብ ግብራዊ ከምዘይከውን’ውን ትንታነታት ይወሃቦ።

ዋንነቱ ዘይንጹር ዝነበረ፣ ነስረዲን ብዝተባህለ ውልቀ ሰብ ከምዝውነን ዝሕበር ናስ ኣየር፣ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ምስ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ድሕሪ ምጽንባሩ፣ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልታት ካብን ናብን ኣስመራ-ጀዳን ኣስመራ-ዱባይን ንዘሎ መስመር መጓዓዝያ ብሒቱ እኳ እንተሎ፣ ነዚ መስመር እዚ መንገዲ ኣየር ግብጽን የመንን ብናይ መዓልታዊ በረራታት ክጽንበርኦ ከምዝኽእላ’ዩ ዝግለጽ።

መንገዲ ኣየር ሱዳን’ውን ነቲ ኣስታት ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ዝወስድ፣ ካብን ናብን ካርቱም- ኣስመራ ብንእሽቶ ነፋሪት ጀሚርዎ ዘሎ በራራ፣ ኣብ ሰሙን ናብ ክልተ ክብ ከብሎ ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ጠቒሱ ኣሎ።

ብዘይካ መንገዲ ኣየር ሱዳን፣ ብብሕቲ ዝውነን ‘ኖቫ’ ዝተባህለ መንገዲ ኣየር’ውን ካብን ናብን ኣስመራ-ካርቱም ናይ መጓዓዝያ በረራታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ናይ መጓዓዝያ በረራታት፣ ዝነበሮ ጸገም ዝተፍትሐ እኳ እንተመሰለ፣ ገለ ካብተን መንገዲ ኣየር ግና ካብ ኤርትራ ንዝብገሱ ገያሾ፣ ኣብ ክንዲ ሃገራዊ ባጤራ ናቕፋ፣ ዶላር ከፍሉ ይሓታ ምህላወን’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ዝጀመረ መንገዲ ኣየር ቱርኪ፣ ነቲ ናይ ኤውሮጳ መስመር ከተኣሳር እንከሎ፣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ክጅምር ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ መንገዲ ኣየር ቐጠር’ውን ነቲ መስመር ከስፍሖ ትጽቢት ኣሎ።

ካብን ናብን ኤርትራ ኤውሮጳን ንምትእስሳር ቀጥታዊ መስመር ጀሚሩ ዝነበረ ፍላይ ኦሎምፒክ፣ ብሰንኪ ክሳራ ኣብ ውስጢ ክልተ ወርሒ ደው ክብል እንከሎ፣ እቲ ብውሕስነቱ ግኑን ስም ካብ ዘለዎም መንገዲ ኣየራት ሓደ ዝኾነ ሉፍታንዛ’ውን፣ ናብ ኣስመራ ዝካየድ በራታት ረብሓ የብሉን ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዘቛረጾ ይዝከር።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0