መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ዩክሬን ብክራይ ዘምጽኣ ኤርባስ ዝዓይነታ ነፋሪት ኣስመራ ኣትያ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ዩክሬን ብክራይ ዘምጽኣ ኤርባስ ዝዓይነታ ነፋሪት ኣስመራ ኣትያ

Radio Erena: 06 October, 2014

Airbus

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ያን ኤየር ካብ ዝተባህለ ናይ ዩክሬን መንገዲ ኣየር ብክራይ ዘምጽኣ ኣየርባስ ዝዓይነታ ነፋርት ኣስመራ ከምዝኣተወተ ተሓቢሩ።

እታ A320-200 ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ዙህላን ካብ ዝተባህለት መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ኪየቭ ብ30 መስከረም ተበጊሳ፣ ብ2 ጥቅምቲ’ያ ኣስመራ ኣትያ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ኣቐዲሙ ካብ ኢስት ኤየር ናይ ታጃኪስታን ብክራይ ብዝወነና ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ሓንቲ ነፋሪት ክጥቐም ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ካብ ዩክሬን ብክራይ ዝመጸት ኤርባስ ዝዓይነታ ነፋሪት ተጸንቢራታ ኣላ።

 

እዛ ሕብሪ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ተለኽያ ብክራይ ኣስመራ ኣትያ ዘላ A320 ዝዓይነታ ነፋሪት ኣስታት 70 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኣ ክትከውን እንከላ ክሳብ 220 ተሳፈርቲ ከተጎዓዕዝ ትክእል።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ምስ ምምጻእ እዛ ነፋርቲ፣ ካብን ናብን ጁባ-ኣስመራን ዱባይን ኣስመራን ናይ በረራታት ግዜ ወሰኽ ጌሩ ምህላዉ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።

መንገዲ ኣየር ኣየር ኤርትራ ብኽራይ ብዘምጽአን ናይ መጓዓዝያ ነፈርቲ ንጥፈታቱ ክቕጽል ዝሕልን እዃ እንተኾነ ብሰንኪ ክሳራታት ተደጋጋሚ እዋን ደው ክብል ተገዲድ’ዩ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0